ብልሒ ማለት እንታይ እዩ?
- Thomas B

- Mar 17
- 1 min read
ብልሒ ኣብ ምህሮ ብልዑል ነጥቢ ምምራቅ፡ ወይ ከበድቲ ምዕሪታት ምቅማር ጥራይ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ህይወት ናይ ምምሃር፡ ምልምማድን፡ ምዉሳንን ክእለት እዩ። ሓቀኛ ብልሒ ፍልጠት ምድላብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወትካን ህይወት ከባቢኻን ንምሉዋጥ ኣብ ግብሪ ምዉዓሉ እዩ።
ብልሒ ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ክፍልታት ክምደብ ይኽእል።
1. ስምዒታዊ ብልሒ

ስምዒታዊ ብልሒ ማለት ገዛእ ስምዒታትካ ናይ ምርዳእን ምምሕዳርን ክእለት ማለት እዩ። ስምዒታዊ ብልሒ ጸቅጢ ኣብ ምቁጽጻር፡ ዝበለጹ ዉሳነታትን ምዉሳድን፡ ሓያል ዝምድና ምምስራትን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።
2. ማሕበራዊ ብልሒ

ማሕበራዊ ብልሒ ምስ ሰባት ብኣድማዕነት ናይ ምዝርራብ፡ ምርድዳእ፡ ከምኡ'ውን ምትሕብባር ክእለት እዩ። ኣብ ስራሕ፡ ምሕዝነት፡ ስድራቤት፡ ይኹን መሪሕነት ዓወት ንምምዝጋብ ድማ እዚ ዓይነት ብልሒ ሓጋዚ እዩ።
3. ገንዘባዊ ብልሒ

እዚ ዓይነት ብልሒ ገንዘብ ብልቦና ናይ ምምሕዳር፡ ቅኑዓት ዉሳነታት ምዉሳድን፡ ነባሪ ርጉእነት ምፍጣርን ክእለት እዩ። ኣብ ናይ እዋና ዓለም ኵሎም ነገራት ኣብ ገንዘብ ዝምርኮሱ ብሙዃኖም ድማ ነዚ ብልሒ እንተዘይዓጢቅካ፡ ህይወት ክትጽንክር ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።
ሙሉእ ህይወትና ጽዒርና ዘጥረናዮ ሞያ፡ ክእለትን፡ ፍልጠትን፣ ስምዒትና ብግቡእ እንተዘየመሓዲርና፡ ምስ ሰባት ብጭውነት ዘይተዋሲእና፡ ከምኡ ድማ ኣካይዳ ገንዘብ ዘይፈሊጥና፣ ኵሉ ጻዕርና ኣብ ቋሕ-ሰም ክበንን ተኽእሎ ኣሎ። ብኣንጻሩ ነዞም ብልጫታት ምስ ንዉንን ግና ፡ ዋላ'ውን ልዕሊ ሰብና ጸብለል ዝበለ ክእለትን ሞያን ኣይሃልወና፡ ደረጃና ብተዓጻጻፊ ከም ዝዓቢ ዘየጠራጥር እዩ።



Comments