እንተ
- Thomas B

- May 15
- 1 min read
እንተ—
ኵሉ ጉድለታቶምን በደላቶምን ናሰከሙኻ
ርእስኻ ኸተቅንዕ እንተ በቂዕካ፣
ዝኣምነልካ ኣብ ዝስሕወሉ ነብስኻ እንተ ኣሚንካ
ዘይኣመኑልካ ጠንቂ'ውን እንተ መርሚርካ፣
ትጽቢት ከየሰልከየካ ክትጽበ እንተ ኽኢልካ፡
ኵሉ እናሓሰወ፡ ክትሕሱ እንተ ዘይተወናዊንካ፡
ኵሉ እናጸልአ፡ ንጽልኢ ኢድካ እንተ ዘይሂብካ፡
እሞ ድማ ልዕሊ ሰብካ ክትመስል እንተ ዘይተጋዲልካ፡
ወይ'ውን ለባም መሲልካ እንተ ዘይመዲርካ፣
ክትሓልም እንተ ኽኢልካ—
ግዳኸ ሕልምታት ክውንኑኻ እንተ ዘይፈቂድካ፣
ክትሓስብ እንተ ኽኢልካ—
ግዳኸ ምሕሳብ ዕላማ እንተ ዘይገቢርካ፣
ምስ ዓወትን ውድቐትን ተራኺብካ
ንኽልቴኦም ሓሹላት ብሓደ ዓይኒ እንተርኢኻ፣
ዘረባኻ ብመታለልቲ ተጠምዚዙ ክትሰምዕ
ዓቅሊ እንተ ዓዲግካ፡
ዝሃነጽካዮም ምስ ፈረሱ፡
ደጊምካ ክትሃንጾም እንተኽኢልካ፣
ኵምራ ዓወታትካ ኣብ ቋሕ ሰም ከሲርካ
ደጊምካ ካብ ባዶ እንተ ተበጊስካ፡
መሊስካ ከሲርካ ደጊምካ እንተተበጊስካ፡
"ከሲረ!" ኢልካ ብጩቕ እንተ ዘይ'ልካ፣
ኵሉ ዘሎካ ስኢንካ ባይታ ምስ ወረድካ፡
ልብኻ ሰልሃው ምስ በለካ፡
"ሓንሳእ!" ኢልካ ስንኻ እንተ ነኺስካ፣
ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ልቦናኻ ዓቂብካ እንተመዲርካ፡
ብነጋውስ ተሰኒኻ ናሰጎምካ—ትሕትናኻ እንተ ዘይከሲርካ፣
ጸላእቲ ይኹኑ ፈተውቲ ክጎድኡኻ እንተ ዘይፈቂድካ፣
ነዛ ሕድገት ዘይብላ ደቒቅ
ሱሳ ካልኢታታ ብዘይምሕረት እንተ መንዚዕካ፡
መሬትን ኵሉ ኣብኣ ዘሎን ናትካ'ዩ፡
ልዕሊ ዅሉ ድማ ሰብኣይ ክትከውን ኢኻ እዚ ወደይ!
ገጣሚ፣ ሩድያርድ ኪፕሊን

Comments