top of page
All Posts


እንተ
እንተ— ኵሉ ጉድለታቶምን በደላቶምን ናሰከሙኻ ርእስኻ ኸተቅንዕ እንተ በቂዕካ፣ ዝኣምነልካ ኣብ ዝስሕወሉ ነብስኻ እንተ ኣሚንካ ዘይኣመኑልካ ጠንቂ'ውን እንተ መርሚርካ፣ ትጽቢት ከየሰልከየካ ክትጽበ እንተ ኽኢልካ፡ ኵሉ እናሓሰወ፡ ክትሕሱ እንተ ዘይተወናዊንካ፡ ኵሉ እናጸልአ፡ ንጽልኢ ኢድካ እንተ ዘይሂብካ፡ እሞ ድማ ልዕሊ ሰብካ ክትመስል እንተ ዘይተጋዲልካ፡ ወይ'ውን ለባም መሲልካ እንተ ዘይመዲርካ፣ ክትሓልም እንተ ኽኢልካ— ግዳኸ ሕልምታት ክውንኑኻ እንተ ዘይፈቂድካ፣ ክትሓስብ እንተ ኽኢልካ— ግዳኸ ምሕሳብ ዕላማ እንተ ዘይገቢርካ፣ ምስ ዓወትን ውድቐትን ተራኺብካ ንኽልቴኦም ሓሹላት ብሓደ ዓይኒ እንተርኢኻ፣ ዘረባኻ ብመታለልቲ ተጠምዚዙ ክትሰምዕ ዓቅሊ እንተ ዓዲግካ፡ ዝሃነጽካዮም ምስ ፈረሱ፡ ደጊምካ ክትሃንጾም እንተኽኢልካ፣ ኵምራ ዓወታትካ ኣብ ቋሕ ሰም

Thomas B
May 151 min read


ባዕላዊት ወይስ ዉድዓዊት ዓለም?
እናሓንሳብ ርእይቶ ገለ ሰባት ምስ ሰማዕናስ፡ "እምበርዶ ኣብ ሓንቲ ዓለም ኢና ዘሎና፧" ኢልና ሓሲብና ንፈልጥዶ፧ ጽቡቁ እዚ ኣብ በይንና ዘይኮነ፡ ንዘበናት ፈላስፋታት ዘዋጠረ ሕቶ እዩ። ዉድዓውነት፡ ንነገራት ከም ዘለዉዎ፡ ብዘይዝኾነ ስምዒት፡ ባህጊ፡ ወይ ወገናውነት ምርኣይ ማለት እዩ። ብኻልእ ዘረባ ብዓቀንን ቍጽርን ምዝራብ ማለት እዩ። ከም ኣብነት ፍርቂ ሊትሮ ማይ፡ ኣብቲ ሓባራዊ መዐቀኒ ክሳብ ዝተሰማማዕካ፡ ኣብ ዝኸድካ ኺድ ፍርቂ ሊትሮ ማይ እዩ። እቲ ዝስዕብ ሕቶ ግና፡ ፍርቂ ሊትሮ ምዃኑስ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ ዝብል እዩ። ኣገዳስነት ባዕላዊ ትርጉም እምበኣር ኣብዚ እዩ ዝመጽእ። ባዕላውነት ማለት ኣብ ኵነታት፡ ህሉው ስምዒት፡ ወገናውነት ወዘተ ተመርኲስና ንነገራት ብዓይንና ንህቦም ትርጉም እዩ። ከም ኣብነት እዚ ፍርቂ ሊትሮ ማይ ጽምእኻ የርዊዶ ኣ

Thomas B
Mar 82 min read


"ብሕርቃን ዝተጀመረ ኩሉ ነገር ብውርደት እዩ ዝውድእ" Benjamin Franklin
💡 ትርጉምን ትንተናን እዚ ናይ ቤንጃሚን ፍራንክሊን (Benjamin Franklin) ኣበሃህላ፡ ሰብ ኣብ ግዜ ሕርቃን ንስምዒቱ ክቆጻጸር ከምዘለዎ ዝምዕድ እዩ። ሓደ ሰብ ተተቖጢዑ ወይ ተሓሪቑ ውሳነ ክወስድ ከሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ነገር ክዛረብ ከሎ፡ ንጽባሒቱ ዝጠዓሰሉ ሳዕቤን ከም ዝስዕብ የዘኻኽረና። 🧠ናይ ኣተና ምኽሪ ሕርቃን ንሓንጎልና ብግቡእ ከይሓስብ ስለ ዘዐውሮ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝኾነ ዓቢ ውሳነ ካብ ምውሳድ ወይ ቃላት ካብ ምስንዳው ምቁጣብ ይሓይሽ። "ቅድሚ ምዝላልካ ክልተ ግዜ ሕሰብ" ዝበሃል ንኸምዚ ዝበለ ኩነታት እዩ። 🌑 ስነ-ልቦናዊ ትንተና እዚ ኣበሃህላ እዚ፣ ኣብ መንጎ ስምዒታዊ ግብረ-መልሲ (Reaction) ከምኡ እውን ምስትውዓላዊ ምላሽ (Response) ዘሎ ፍልልይ ዘመልክት እዩ። ሓደ ሰብ ብሕርቃን ተደፋፊኡ ስጉምቲ ክወስድ ከሎ፣ እ
ATHENA EDITORIAL
May 51 min read


"ዕዉታት ከቶ ኣይሕለሉን፡ ተሓለልቲ ድማ ከቶ ኣይዕወቱን።" ቪንስ ሎምባርዲ
💡 ትርጉምን ምስላን እዚ ናይቲ ውሩይ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ቪንስ ሎምባርዲ ኣበሃህላ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ዓወትን ስዕረትን ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዝገልጽ እዩ። ዓወት ውጽኢት ናይቲ ኣብ ግዜ ጸገም ከይተሓለልካ ምቕጻል እዩ። ሓደ ሰብ ተስፋ ቆሪጹ ምስ ዝሓድጎ ጥራይ እዩ ብትኽክል ዝስዓር። ምስዚ ሓሳብ እዚ ዝመሳሰል ናይ ትግርኛ ምስላ ኣሎ፦ "ተዓጋሲ፡ እሾኽ በሊዑ መዓር ይሓፍስ።" እዚ ማለት፡ እቲ ጸገማትን ፈተናታትን (እሾኽ) ተዓጊሱ ዝሓልፍ ሰብ ጥራይ እዩ ኣብ መወዳእታ ነቲ ጥዑም ዓወት (መዓር) ዝረኽቦ። 🏈 ታሪኽ ቪንስ ሎምባርዲ (Vince Lombardi) ቪንስ ሎምባርዲ ነዚ ሓሳብ እዚ ብተግባር ዘመስከረ ሰብ እዩ። ንሱ ነታ "Green Bay Packers" እትበሃል ጋንታ ክርከባ ከሎ፡ እታ ጋንታ ንነዊሕ ግዜ ትስዓርን ተስፋ ዝ
ATHENA EDITORIAL
May 41 min read


"ጉዕዞኻ ክሳብ ዘይቛረጽካ፡ ክሳብ ክንደይ ቀስ ኢልካ ኣለኻ ዘገድስ ኣይኮነን" — ኮንፉሽየስ (Confucius)
💡 ትርጉምን ምስላን እዚ ጥንታዊ ቻይናዊ ፈላስፋ ዝተዛረቦ ቃል፡ ብዛዕባ ጽንዓትን ትዕግስትን (Persistence) ዝምህር እዩ። ኣብ ህይወት ምስ ካልኦት ሰባት ክንወዳደር ወይ ቀልጢፍና ክንበጽሕ ንጽዕር ንኸውን፤ እቲ ዝዓበየ ዓወት ግን ፍጥነት ዘይኮነስ ዘይምቁራጽ እዩ። ቀስ ኢልካ ምጉዓዝ ስዕረት ኣይኮነን፤ ደው ምባል ግን ስዕረት እዩ። ምስዚ ሓሳብ እዚ ዝመሳሰል ናይ ትግርኛ ምስላ ኣሎ፦ "ቀስ ኢልካ፡ ብዕራይ ይስበር።" እዚ ማለት፡ ሓደ ነገር ብትዕግስትን ብቐጻልነትን ምስ ትሰርሓሉ፡ እቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝመስል ዕማም እኳ ኣብ መወዳእታ ክዕወት ይኽእል እዩ። 🐢 እቲ ናይ ኤሶጵ ምስላ (The Tortoise and the Hare) ነዚ ናይ ኮንፉሽየስ ሓሳብ ብዝበለጸ ዝገልጽ ታሪኽ፡ እቲ ናይ ጎብየን ማንቲለን ውድድር እዩ። ማንቲለ፦ ኣዝያ ቅልጥፍቲ ስለ
ATHENA EDITORIAL
May 21 min read


"ንቑስልታትካ ናብ ልቦና ቀይሮም" — ኦፕራ ዊንፍሪ
💡 ትርጉምን ምስላን እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ንዝበጽሓካ መከራን ስቓይን ከም መሳርሒ ዕብየት ክትጥቀመሉ ከም ዘለካ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ስቓይካ ትሓንኽ፡ ካብኡ ተማሂርካ ዝያዳ ብልሂ ክትከውን ከም ዘለካ ይምህር። ምስዚ ሓሳብ እዚ ዝመሳሰል ጥንታዊ ናይ ትግርኛ ምስላ ኣሎ፦ "ዝወደቐስ ንመውደቒኡ ኣይረስዕን።" እዚ ማለት፡ ሓደ ሰብ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ፡ ካብቲ ዘጋጠሞ ነገር ተማሂሩ ንመጻኢ ጥንቁቕን ለባምን ይኸውን ማለት እዩ። 🌿 ከመይ ጌርካ ነዚ ትትግብሮ? ምቕባል (Acceptance): ነቲ ዝበጽሓካ ቁስሊ ወይ ጌጋ ከም ዘጋጠመ ኣሚንካ ተቐበሎ። ምምርማር (Reflection): "ካብዚ ኩነታት እዚ እንታይ ተማሂረ?" ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ምቕያር (Transformation): ነቲ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ኣብ መጻኢ ንዝሓሸ ውሳነታት ተጠቐመሉ
ATHENA EDITORIAL
May 12 min read


"ሓደ ነገር ክሳብ ዝፍጸም፡ ወትሩ ዘይከኣል ይመስል" (ኔልሰን ማንዴላ)
እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ነቲ ሰብ ክሰርሖ ዝኽእል ዓቢ ዓወት ዘዘኻኽር እዩ። ብዙሕ ግዜ ሓድሽ ነገር ክንጅምር ከለና ወይ ከቢድ ብድሆ ምስ ዘጋጥመና፡ እቲ ዕማም ዘይከኣል ኮይኑ ይስምዓና። እቲ ምስጢር ግን ኣብቲ ምጅማርን ክሳብ መወዳእታ ምጽናዕን እዩ። 🌍 ትምህርቲ ካብዚ ኣበሃህላ ኣረኣእያ (Perspective)፦ ፍርሒ ወይ ጥርጣሬ ንሓደ ነገር ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ከቢድ ከም ዝመስል ይገብሮ። ተጻዋርነት (Resilience)፦ ኔልሰን ማንዴላ ንባዕሉ ነዚ ሓሳብ እዚ ብተግባር ዘርኣየ መራሒ እዩ። ንዓመታት ዝተቓለሰሉ ዕላማ፡ መጀመሪያ ንብዙሓት ዘይከኣል ይመስል ነይሩ። ስጉምቲ (Action)፦ ሓንሳብ ምስ ተፈጸመ ግን፡ "ንምንታይ ደኣ ከምኡ ኢለ ሓሲበ?" ኢልና ንገርም እዩ። ሎሚ ንጉሆ ካብ ዓራትካ ንምትንሳእ ዝነበረካ ስምዒት እውን ምስዚ ይተሓሓዝ ይኸውን።
ATHENA EDITORIAL
Apr 291 min read


"ህይወት ከም ብሽክለታ ምዝዋር እያ፤ ሚዛንካ ንምሕላው ጉዕዞኻ ክትቅጽል ኣለካ።" ኣልበርት ኣይንስታይን
እዚ ኣዝዩ ዓሚቕን መሃርን ኣበሃህላ እዩ። ኣብታ ቅድም ክብል ዝጠቐስካያ ጸገም (ካብ ዓራት ንምትንሳእ ዘጋጠመካ ምስንኻል) እውን ብግቡእ ይዓይን እዩ። 🚲 ትርጉም እዚ ኣበሃህላ ሚዛን (Balance)፦ ኣብ ህይወት ሚዛንካ ክትሕሉ እንተደሊኻ፡ ደው ክትብል የብልካን። ደው እንተ ኢልካ ክትወድቅ ትኽእል ኢኻ። ምንቅስቓስ (Movement)፦ ጸገማት ወይ ድኻም ክስምዓና ከሎ፡ እቲ መፍትሒ ምንቅስቓስ እዩ። ንእሽቶ ስጉምቲ ትኹን እምበር፡ ንቕድሚት ምባል ወትሩ ይሕግዝ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ንጉሆ ኩነታትካ እንተተግቢርናዮ፡ እታ ቀዳመይቲ "ፔዳል" (Pedal) ምውቃዕ፡ ካብ ዓራትካ ወሪድካ ስጉምቲ ምጅማር እያ። ሓንሳብ ምንቅስቓስ ምስ ጀመርካ፡ እቲ ሚዛን ባዕሉ ክመጽእ እዩ።
ATHENA EDITORIAL
Apr 231 min read
FedEx ብቁማር ሰሪሩ?
ኣብ መፋርቅ ዓመተ 1974፡ መስራቲ ትካል ጶስጣ ፈደክስ [FedEx (Federal Express)] ዝኾነ ፍረድ ስሚዝ፡ ንዝበዝሑ ጀመርቲ ሰብ-ዋኒን ዝገጥሞም ሽግር ጎነፎ። ነቲ ሓደ ዓመት ቀዲሙ ኣብ ሚያዝያ 1973 ዝመስረቶ ዉልዶ ትካሉ መካየዲ ዝኸውን ገንዘብ ጸንቀቀ። ዘለዎ ነጊፉ ጨቆቕ እናበለ ክሳብ ሽዑ እኳ እንተብጽሖ፡ መወዳእታኡ ንሰራሕተኛታት፡ ነዳዲ ይኹን መሰረታውያን ትካል ከካይደሎም ዝኽእል ንጥፈታት ዝሽፍን ገንዘብ ኣይነበሮን። ኣብ ሕሳቡ ዝነበረ መጠን 5000 ዶላር ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ሓንቲ መዓልቲ'ውን ከሰጒሞ ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ ሓጺር ህሞት፡ ዝኾነ ገንዘብ ክረኽበሉ ዝኽእል ምንጪ ኣይነበረን። ስለዚ ስሚዝ ኣብ ጽሕፍቶ ኣሚኑ ሓደ ዘይልሙድ ምርጫ ወሰደ። ኣብ ሕሳቡ ዝነበረ ዝርካቡ ኣቅራሽ ኣኪቡ ናብ ላስ ቬጋስ ክጣላዕ በረረ። መጻኢ ትካ
ATHENA EDITORIAL
Apr 91 min read


ዉዲት ፖንዚ እንታይ እዩ?
ገንዘብካ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣራቢሕና ክንመልሰልካ ዝብሉ ኣውፈርቲ ገጢሞምኹምዶ ይፈልጡ፧ ምናልባት ንምእማኑ ክሳብ ዘሸግር ኣመና ዘህርፍ ተኾይኑ፡ ዉዲት ፖንዚ (Ponzi scheme) ክኸውን ዝለዓለ ዕድል ኣሎ። ዉዲት ፖንዚ፡ ብደጊኡ ቅኑዕ ወፍሪ ዝመስል እኳ ተኾነ፡ ኣብ ክውንነት ግና ዝኾነ ተጨባቲ ወፍሪ የለን። እቲ ወዳቢ ወፍሪ፡ ንነባራት ተመዝገብቲ፡ ካብ ሓደሽቲ ተመዝገብቲ ናኸፈለ እዩ ገንዘብ ዘዘዋውር። እቶም ኣውፈርቲ ድማ ኣብ ፈለማ ከም መብጽዕኡ፡ መኽሰብ ስለ ዝመልሰሎም፡ ኣብ ኣኽሳቢ ዋኒን ዘውፈሩ ይመስሎም። ምእንትኡ ድማ መመሊሶም ተወሳኺ ገንዘብ የውፍሩ። ዉዲት ፖንዚ ዝፈሽል፡ ብቍጠባዊ ቅልዉላው ይኹን ካልኦት ምኽንያታት ሓደሽቲ ተመዝገብቲ ምስ ዝውሕዱ እዩ። ኣብዚ ኵነት እቲ ወዳቢ ሰብ ይኹን ትካል ዝሓዘ ሒዙ ህጣሙ ከጥፍእ፡ መንነቱ ምስ ዝልለ ድ

Thomas B
Mar 301 min read


ሸኻ ጎደቦና ይለምዕ
ደቂ ሰብ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝውንንዎ፡ ነቲ ዘይናቶም ዝያዳ ክብህጉ ይረኣዩ። ብመሰረት ኣገላልጻ ምሁራት ስነ-ኣእምሮ፡ እዚ ኵነተ-ኣእምሮ ብሰሪ ከም ዘይክውንነታዊ ትጽቢታትን፡ ብዘለካ ዘይምዕጋብን ዝኣመሰሉ ሳዕቤናት ዝተዛብዐ ተገንዝቦ እዩ ዘጋጥም። ሓጎስ ወትሩ ካብ ደገ ጥራይ ምጽባይ ኣብ ዘየዕርፍ ዑደት ውድድርን ሃንቀውታን ኣእትዩ፡ ውጽኢቱ ድማ ቅንእን ዕርበት ሕልናን ይኸውን። ከም ማርቆስ ኣውረሊዮስ ዝኣመሰሉ ስቶዋውያን፡ ካብዚ ሕማም ንምግልጋል ወትሩ ኣብ ሕጂ፡ ኣብቲ ዘሎና ጥራይ ከነተኩር፡ ሓጎስ ኣብ ኣጠማምታና ስለ ዝምርኮስ ድማ፡ ደጋውዊ ኵነታት ጎሲና ናብ ዉሽጥና ኣተኵርና ጸጋታትና ክንምዝምዝ ይመኽሩና። ብኣመሪካዊ ሊቕ ስነ-ኣእምሮ ሊዮን ዝረቀቀ ክልሰ-ሓሳብ ማሕበራዊ ውድድር ከም ዘነጽሮ፡ ነብስና ምስ ካልኦት ምዉድዳር ዘይዕጉብነት እዩ ዘዕቢ። ነዚ
ATHENA EDITORIAL
Mar 231 min read


ወርሒዶ ዋላ መሬት ትበርህ?
ኣብ ወርሒ ኵንካ መሬት ምስ ትርእያ ካብ ወርሒ ኣብ መሬት ኵንካ ክትርእያ እንከሎኻ ንላዕሊ ከም ተንጸባርቅን ትበርህን ንፈልጥዶ? እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ግና እንታይ እዩ? ዓለም ኣርባዕተ ዕጽፊ ወርሒ ዕቤት ክህልዋ እንከሎ፡ ከም ደበናታት፡ ዉቅያኖሳትን በረድን ዝኣመሰሉ ደጋውያን ሽፋናት ድማ ኣንጸባረቅቲ ብሙዃኖም፣ ብርሃን ጸሓይ ምስ ዓለባ ዝያዳ ኣንጸባራቂት ትኸውን። ብኣንጻሩ ወርሒ ብደባን ደሮና ዝዓብለሎም ኣኻውሕ ዝቆመት ብሙዃና፡ ዝበዝሕ ካብቲ ኣብ ወርሒ ዝሃርም ብርሃን ጸሓይ ተሰትዩ እዩ ዝተርፍ። ወርሒ ሓሙኽሽታዊ ዝሕብሩ ደጋዊ ሽፋን ክህልዋ እንከሎ፡ መሬት ግና ሞዛይክ ሰማያዊ፡ ቀጠልያ፡ ጻዕዳን፡ ሓቂቅን እያ። ኣብ ወርሒ ኰንካ ኽትርአ እንከላ መሬት ልክዕ ከም ዝተፈላለዩ ሕብራት ዘለዎ ኣብ ጸላም ሰማይ ዝተጠልጠለ ዘብለጭልጭ ዙሃር ክትግለጽ ትኽእል

Thomas B
Mar 221 min read


ዓመት-ብርሃን እንታይ እዩ?
ኣብ ኣድማስ ኣብ መንጎ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ዘሎ ርሕቀት ኣየናይ ኣሃዱ ተጠቂምና ንዕይሮ ሓሲብናዶ ንፈልጥ? እምበኣር እቲ ኣሃዱ ዓመተ-ብርሃን እዩ ዝበሃል። ዓመተ-ብርሃን ግና እንታይ ማለት እዩ? ዓመተ-ብርሃን ብቀሊሉ ብርሃን ኣብ ሓደ ዓመት ዝጓዓዞ ርሕቀት ማለት እዩ። ብርሃን ኣብ ኣድማስ 300,000 ኣብ ሰዓት ስለ ዝጓዓዝ ድማ፡ ኣብ ዓመት 9.46 ትሪሊዮን ኪሎሜተራት ይሽፍን። እምበኣር ሓደ ዓመተ-ብርሃን ክንብል እንከሎና 9.46 ትሪሊዮን ኪሎሜተር ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ብኻልእ መንጽር ሓደ ፕላኔት 10 ዓመተ-ብርሃን ካብ ዓለም ርሒቁ ኣሎ እንተይልና፡ ቴለስኮፕ ተጠቂምና ነዚ ፕላኔት ክንዕዘቦ እንከሎና፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ መልክዑ ደኣ'ምበር ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ኣይኮናን ንዕዘብ ዘሎና። ከም ኣብነት እታ ናብ ጸሓይ ዝቀረበት፡ ፕሮክሲማ

Thomas B
Mar 212 min read


ህልኽ ቶማስ ኤዲሰንን ኒኮላ ቴስላን?
"ኣብ ቤት-ዕዮ ካብ ምዕያይ ወጻኢ ዝፈትዎ ዝኾነ ንጥፈት ኣይነበሮን። ካብ ቤት-ዕዮኡ ወጻኢ'ውን ዝኾነ ህይወት ኣይነበሮን። ብዛዕባ ጽሬት ሰብነቱ ፈጺሙ ፋዕራ ኣይነበሮን። ኣገባቡ ዘይኣድማዒ፡ ሃሰሰ ለባም እዩ። ክልሰ-ሓሳብ ከርቕቅን ክቕምርን ሒደት ሰዓታት እንተዘጥፍእ፡ 90 ሚእታዊት ካብቲ ንኸንቱ ዘፍሰሶ ረሃጽ መድሓነ። ግዳኸ መጽሓፍ ምንባብ ይኹን ቁጽሪ ምጽናዕ ኣለርጂያ ይገብረሉ ነበረ። እምነቱ ኣብ ደመ-ነብሱን ደጋጊምካ ምፍታንን ጥራይ ነበረ።" እዚ እቲ ካብ ዝበለጹ ኣእምሮታት ዓለምና ዝቁጸር ኒኮላ ቴስላ ኣብ ዕረፍቲ ህቡብ መሃዚ ቶማስ ኤድሰን ዝበሎ እዩ። ንቶማስ ኤድሰን ክንድ'ዚ ክጽየኖ ዝገበሮ ግና እንታይ እዩ? ኣብ ዳሕረዋይ 19 ክፍለ-ዘበን፡ ዓለም ናብ ሓድሽ ዘበነ ኤለትሪክ ትሰጋገረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልተ ናይቲ እዋን ካብ

Thomas B
Mar 192 min read


ምርጫ
ኩሉ እትገብሮ ኣብ ምርጫታትካ ዝተመርኮሰ እዩ። ወለድኻ፡ ሕሉፍ ዝምድናታትካ፡ ስራሕካ፡ ቁጠባኻ፡ ኩነታት ኣየር፡ ግርጫታትካ፡ ወይ ዕድመኻ ኣይኮኑን ተሓተትቲ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትገብሮ ውሳነን ምርጫን ንስኻን ባዕልኻን ጥራይ ኢኹም ተሓተትቲ።

Mussie Girmatsion
Mar 171 min read


ብልሒ ማለት እንታይ እዩ?
ብልሒ ኣብ ምህሮ ብልዑል ነጥቢ ምምራቅ፡ ወይ ከበድቲ ምዕሪታት ምቅማር ጥራይ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ህይወት ናይ ምምሃር፡ ምልምማድን፡ ምዉሳንን ክእለት እዩ። ሓቀኛ ብልሒ ፍልጠት ምድላብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወትካን ህይወት ከባቢኻን ንምሉዋጥ ኣብ ግብሪ ምዉዓሉ እዩ። ብልሒ ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ክፍልታት ክምደብ ይኽእል። 1. ስምዒታዊ ብልሒ ስምዒታዊ ብልሒ ማለት ገዛእ ስምዒታትካ ናይ ምርዳእን ምምሕዳርን ክእለት ማለት እዩ። ስምዒታዊ ብልሒ ጸቅጢ ኣብ ምቁጽጻር፡ ዝበለጹ ዉሳነታትን ምዉሳድን፡ ሓያል ዝምድና ምምስራትን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። 2. ማሕበራዊ ብልሒ ማሕበራዊ ብልሒ ምስ ሰባት ብኣድማዕነት ናይ ምዝርራብ፡ ምርድዳእ፡ ከምኡ'ውን ምትሕብባር ክእለት እዩ። ኣብ ስራሕ፡ ምሕዝነት፡ ስድራቤት፡ ይኹን መሪሕነት ዓወት ንምምዝ

Thomas B
Mar 171 min read


ፈላሚ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝቆረጸ ኣብራሪ!
ቻርለስ ሊንድበርግ ሰገጥ ከብልዎ ዝግባእ ብዙሓት ምኽንያታት ነበሩ። ከየዕረፈ ብልዕሊ ኣትላንቲካዊ ዉቅያኖስ በሪሩ ዝፈልጥ ሰብ ቅድሜኡ ኣይነበረን። ንሱ ንባዕልሉ’ውን ይትረፍ ዉቅያኖስ፡ ብልዕሊ ዝኾነ ማያዊ ኣካል በሪሩ ኣይፈልጥን እዩ። ልዕሊ 800 ኪሎሜተር ከየዕረፈ’ውን በሪሩ ኣይፈልጥን እዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ በረራ ክትፍጽም ዝሓተካ 55 ሰዓታት’ውን ከየዕረፈ ነፋሪት መሪሑ ኣይፈልጥን። ወናኒ መዕረፊ ኣጋይሽ ዝኾነ ረይሞንድ ኦርቴግ ካብ ኒውዮርክ ናብ ፓሪስ ብዘይዕረፍቲ ንዝበረረ ኣብራሪ ነፋሪት 25,000 ዶላር ጒንዖ ኸም ዝህብ ምስ ተማባጽዐ፡ ንብዙሓት ኣብረርቲ መሰጠ። ሓደ ኻብ’ዞም ተወዳደርቲ ኣብ ልምምድ ነፋሪቱ ክትሕምሸሽ እንኮላ፡ ኣርባዕተ ኻብ’ቶም ኣብረርቲ ድማ ኸቢድ መጉዳእቲ ወረዶም። ድሕሪ ገለ ሳምንቲ’ውን ክልተ ካብ ኒውዮርክ ናብ ፓሪስ ክበ

Thomas B
Mar 141 min read


እቶም 300 ስፓርታውያን
. . .ሰለስተ ሚእቲ እንተወሓደ ሓደ ሓድጊ ዝኽውን ዉላድ ዝገደፉ ዝበርትዑ ወተሃደራት ስፓርታ፡ ምናልባት ኣብ ታሪኽ ዉትህድርና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁጽሪ ንዝተዓጻጸፎም ሰራዊት ክምክቱ ጉዕዞ 400 ኪሎመተራት ተተሓሓዙ። ምስ’ቶም ጎረባብቲ ግዝኣታት ግሪኽ ዝለኣኽኦም ወተሃደራት ደሚርካ ብዝሖም ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ክሳብ ሸውዓተ ሽሕ ኣቢሉ ናብ ዝገማገም ዓቅሚ ከም ዘበረኹ ይእመን እኳ እንተኾነ፡ ምስቲ ብተመራመርቲ ታሪኽ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ቁጽሪ ኸም ዝነበሮ ዝንገር ሰራዊት ፋርስ ክነጻጸር እንከሎ ግና ቊንጣሮ ነበረ። ከዐውቶም ዝኽእል ብልጫ ደኣ እንታይ ነበረ፧ ጠርሞጲላ ጥቃ ባሕሪ ኣጃዮን ብመንጎ ጎቦታት ሰንጢቁ ዝሓልፍ መጻብቦ ብምንባሩ፡ እንተወሓደ ሃጸይ ጻርሶስ ብልጫ ብዝሒ ሰራዊቱ ተጠቂሙ ንግሪኻውያን ኣካቢቡ ክኽርድን ኣይክኽእልን እዩ። ኣብ ርእሴኡ
ATHENA EDITORIAL
Mar 134 min read


ነብሰ-ምትሓት? ነብሰ-ምልዓል? ፍልልዮም?
ፈለማ ስምዒት ነብሰ-ምትሓት (Inferiority) ኵሉ ሰብ ኣብ ውሱን እዋን ግድን ዝምኮሮ ዓይነት ስምዒት እዩ። ኣብ ሓደ ህሞት፡ ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ትሑት ዓቅሚ ዘሎካ ኾይኑ ክስምዓካ ንቡር እዩ። ኣብነት ክኾነና፡ ኣብ ሓደ ዓውዲ ስፖርት ተወዳዲርካ ብርትዓዊ ኣገባብ ተሳዒርካ ንበል። ስለዚ ካብ መወዳድርትኻ ዝትሕት ዓቅሚ ከም ዘሎካ ዘየካትዕ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና፡ ኣብዚ ትሑት ዓቅምኻ ዘለለኻሉ ኣጋጣሚ እንታይ ትገብር እዩ። እቲ ቅኑዕ ኣገባብ፡ ጉድለትካ ምስ ፈለጥካ ኣበርቲዕካ ክትጽዕር፡ ልምምድ ከተጽዕቅ፡ ወይ ተወሰኽቲ ስልትታት ከተጽንዕ እኳ እንተኾነ፡ ብጸገም ነብሰ-ምትሓት ዝተጠቃዕካ ምስ ትኸውን ግና፡ ትወስዶ ግብረ-መልሲ ኣሉታዊ ይኸውን። ከም ኣብነት፡ "ኣነኮ ዝተሰዓርኩ እገለ ካብ ናተይ ዝበልጽ ናይ ስልጠና ዕድል ስለ ዝረኸበ፡ ዝመጽኣሉ ድሕረ

Thomas B
Mar 121 min read


ዘልኣለማዊ ዓብላልነት ክውንነታዊ ድዩ?
ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ዕምሪ ህይወቶም ሓደ ዓብላሊ ወይ ርእሰ-ሓያል ክርእዩ ጥራይ ስለ ዝበቅዑ፡ እቲ ሃገር፡ ግዝኣት ወይ ንግስነት ካብ ጥንቲ ዝዓብለለ ወይ ንዘልኣለም ዝዕብልል ይመስሎም። ግዳ ብሓቂ ኸምኡ ድዩ? እዛ ኣብ ዕምሪ ህይወትና ንፈልጣ እንኮ ዓብላሊት ሃገረ ሕ.መ.ኣመሪካኸ ንዘልኣለም ድያ ክትዕብልል? ነዚ ሕቶ ኣብ ምምላስ ክልሰ-ሓሳብ ዓሳብያ ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ። ‘ዓሳቢያ’ ብተመራማሪ ታሪኽ እስልምና ኢባን ኻልዱን ኣብ 14 ኽፍለ ዘበን ዝረቀቀ ኣምር ወይ ክልሰ-ሓሳብ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ስምረት ህዝብታት ድማ ይገልጽ። በዚ መሰረት፡ ሓያል ‘ዓሳቢያ’ መሰረት ዕቤት ዓበይቲ ግዝኣታት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ጥምረት ኣብ ዝደኽመሉ ድማ ግዝኣታት የንቆልቁሉ። ዓሳቢያ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ክሕይል እንከሎ፡ ግዝኣታት ኣብ ዝብልጽጉሉ፡ ዜጋታት ካብ ምስ

Thomas B
Mar 112 min read
bottom of page