top of page

ባዕላዊት ወይስ ዉድዓዊት ዓለም?

  • Writer: Thomas B
    Thomas B
  • Mar 8
  • 2 min read

Updated: Mar 10


እናሓንሳብ ርእይቶ ገለ ሰባት ምስ ሰማዕናስ፡ "እምበርዶ ኣብ ሓንቲ ዓለም ኢና ዘሎና፧" ኢልና ሓሲብና ንፈልጥዶ፧

ጽቡቁ እዚ ኣብ በይንና ዘይኮነ፡ ንዘበናት ፈላስፋታት ዘዋጠረ ሕቶ እዩ። ዉድዓውነት፡ ንነገራት ከም ዘለዉዎ፡ ብዘይዝኾነ ስምዒት፡ ባህጊ፡ ወይ ወገናውነት ምርኣይ ማለት እዩ። ብኻልእ ዘረባ ብዓቀንን ቍጽርን ምዝራብ ማለት እዩ። ከም ኣብነት ፍርቂ ሊትሮ ማይ፡ ኣብቲ ሓባራዊ መዐቀኒ ክሳብ ዝተሰማማዕካ፡ ኣብ ዝኸድካ ኺድ ፍርቂ ሊትሮ ማይ እዩ። እቲ ዝስዕብ ሕቶ ግና፡ ፍርቂ ሊትሮ ምዃኑስ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ ዝብል እዩ።


ኣገዳስነት ባዕላዊ ትርጉም እምበኣር ኣብዚ እዩ ዝመጽእ። ባዕላውነት ማለት ኣብ ኵነታት፡ ህሉው ስምዒት፡ ወገናውነት ወዘተ ተመርኲስና ንነገራት ብዓይንና ንህቦም ትርጉም እዩ። ከም ኣብነት እዚ ፍርቂ ሊትሮ ማይ ጽምእኻ የርዊዶ ኣየርውን፧ ወይ ከም ብዙሕዶ ዋላ ውሑድ ትርእዮ፧


ኢማኑወል ካንት፡ "ንዓለም ከምቲ ዘላቶ ዘይኮነ፡ ብስምዒታትን ኣእምሮኣዊ ኵነትን ዝተነፈዩ ምስልታት ከም ንርኢ፣ ብሓጺሩ ብመረጼን ኣእምሮና ኸም ንርኢ፡" እዩ ዝምጉት።

ፍረድሪክ ኒሸ'ውን ካብኡ ሰጊሩ፡ "ትርጉም እምበር ርትዒ ዝበሃል የሎን፡" ኢሉ ኽሳብ ምድምዳም እዩ በጺሑ። ብዓይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝህቦ ፍርዲ፡ ብዝዓበየሉ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ከምኡ'ውን ንሱ ንሓቂ ብዝህቦ ትርጉም ዝተጸልወ እዩ።


ካልእ ሶረን ኪረጋርድ ዝተባህለ ዴንማርካዊ ፈላስፋ'ውን ሓቂ ባዕላዊ ምዃኑ ይኣምን ነበረ። "እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሓቅታት ፍቅሪ፡ እምነትን፡ ዕላማን ብርትዒ ክረጋገጹ ኣይክእሉን እዮም። ክትነብሮምን ከተስተማቅሮምን ጥራይ ኢኻ ትኽእል፡" ድማ ይብል ነበረ።


ናይ መበል ዕስራ ክፍለ-ዘበን ፈረንሳዊ-ኣልጀርያዊ ፈላስፋ ኣልበርት ካሙስ'ውን ኣብ ዓለም ኣድማሳዊ ትርጉም ክትህብ ከም ዘይትኽእል፡ ግዳከ ንህይወት ትርጉም ንህብ ባዕላትና ምዃና ኣትሪሩ ትምጉት ነበረ።

ብሓፈሻ፡ እዛ ንነብረላ ዓለም ፍጹም ርትዒ ወይ ክውንነት ዘለዋ ኣይኮነትን። ኵላትና ነናትና መረጼን ዝኽርታት፡ ስምዒትን ባህግን ተጠቂምና ኢና ንጥምታ። ስለዝስ እዛ ንነብረላ ዓለም ኣድማሳዊ ሓቂ ዝወነነት ዘይኮነት፡ ኣብ ኣእምሮና ጥራይ ትርከብ ባዕላዊት ዓለም እያ። ነዚ ድሕሪ ምርዳእ ጥራይ ድማ ኢና፡ ፈለማ ምሉእ ሓላፍነት ነብስና ንወስድ፡ ብድሕሪኡ ድማ ምስ ከማና ዝተፈልየ ኣጠማምታ ዘለዎም ሰባት ሓቢርና ሕብራዊትን ዉቅብትን ክንገብራ ንኽእል።


“ኣነ ተተለዊጠ፡ ዓለም ብምልእታ ኽትልወጥ እያ። ኣነ ንበይነይ ንዓለም ክልውጣ ይኽእል እየ። እንተኾነ ዓለመይ ብዘየካይ ክልውጣ ዝኽእል የሎን።" - ኣልፍረድ ኣድለር።

 
 
 

Comments


bottom of page