ኣንጊህካ ተንስእ፣ ኣብ ስራሕካ ተረኸብ፣ ሓላፍነትካ ተሰከም፣ ሒደት ተዛረብ፣ መብጽዓኻ ፈጽም፣ ህይወት ቀላል እያ! ብዛዕባ ዘይትቆጻጸሮ ኣይትሕሰብ፣ ካብቲ ቅድሜኻ ዘሎ ኣይትህደም፣ ዘረባ ንኻልኦት ገዲፍካ፡ ኣብ ዕላማኻ ኣተኵር፣ ኣንፈት ንፋስ ብዘየገድስ፡ መኣዝንካ ኣይትስሓት፣ ህይወት ኣዝያ ቀላል እያ! ቅኑዕ እንተመሲሉካ ፈጽሞ፣ ጌጋ እንተመሲሉካ ኣይትፈጽሞ፣ ሰብ ከጣቅዓልካ ኣይትጸበ፣ ንውሽጥኻ ጥራይ ስማዕ፣ ህይወት ቀላል እያ! ንነብስኻ ኣፍቅር፣ ንባህሪ ኣፍቅር፣ ንኵሎም ፍጡራት ኣፍቅር፣ ኮታ ንኵሉ ከየጓነኻ ኣፍቅር፣ ህይወት ቀላል እያ! ቃንዛ ይመጽእ፣ ጨብጨባ ይኸይድ፣ ምርጫታትካ ግና ወትሩ ይስዕቡኻ፣ ትዓግበሉ ጥራይ ምረጽ፣ ህይወት ቀላል እያ! ዘድልየካ ብዙሕ ኣይኮነን፣ ርጉእ ኣእምሮ ጥራይ፣ ንጹር ዕላማ ጥራይ፣ ድሕሪ ውድቀት ናይ ምትንሳእ ትብዓት