top of page

fallacy ወይ ግጉይ-መጎት?

  • Writer: Thomas B
    Thomas B
  • Mar 9
  • 2 min read

fallacy ወይ ግጉይ-መጎት ንክርክር ዘይብቁዕ ወይ ኣጋጋዪ ዝገብር ስሕተት ምኽንያታውነት እዩ። ሰባት ግጉይ-መጎት እናፈለጡ (ንኽሽሕጡ) ወይ ድማ ከይፈለጡ (ብሰሪ ምድንጋር ወይ ሕጽረት ርትዓዊ ኣጠማምታ) ክጥቀሙሉ ይኽእሉ።


ግጉይ-መጎት ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ምድባት ይኽፈል፣


1. ወግዓዊ ግጉይ-መጎት

እዚ ዓይነት ግጉይ-መጎት ኣብ ኣቃውማ ክርክር ርትዒ ወይ ውድዓውነት ክጎድል እንከሎ እዩ ዘጋጥም።

ኣብነት፣

1ይ ሓሳብ፣ ኵሎም ደማሙ እንስሳታት እዮም።

2ይ ሓሳብ፣ ኵሎም ኣኻልብ እንስሳታት እዮም።

መደምደምታ፣ ኵሎም ኣኻልብ ደማሙ እዮም።

ካልኦት ኣብነታት ወግዓዊ ግጉይ-መጎት ከም'ዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፣

"እንተደኣ ዘኒቡ መሬት ክትርክስ እዩ። ስለዚ መሬት ተርኪሱ ካብ ሃለወ፡ ኣቀዲሙ ዘኒቡ እዩ።"

"እንተደኣ ኣጽኒዐ መርመራ ክሓልፍ እየ። ኣየጽናዕኩን፣ ስለዚ መርመራ ክተርፍ እየ።"


2. ዘይወግዓዊ ግጉይ-መጎት

እዚኣቶም ብሰሪ ኣቃውማ ክርክር ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ጌጋ ምኽንያታውነት፡ ወይ ድማ ጌጋ ግምታት ይኽሰቱ።

ገለ ኻብ'ቶም ውሩያት ዓይነታት ዘይወግዓዊ ግጉይ-ክርክር እዞም ዝስዕቡ እዮም፣


 - ኣብ ክንዲ ንሓሳብ ንተዛራቢ ምጥቃዕ፣

ኣብነት፣

"ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ዝብለካ ኣይትስምዓዮ፣ ምኽንያቱ ተማሃራይ እንከሎ ኣብ ስነ-ፍልጠት ተሪፉ እዩ።"


 - ናይ መኸራኽርትኻ ስነ-መጎት ምጥቃዕ ምእንቲ ኽጥዕመካ ዘይግቡእ መልክዕ ምትሓዝ።

ኣብነት፣

ሰባኣይ፣ “ስራሕ-ገዛ ትሕግዘኪ ሰራሕተኛ ምቍጻር ከድልየና እዩ።”

ሰበይቲ፣ “ባዕልኻ ኸይትሕግዘኒ ስለ ዝተሃከኻ ዲኻ፧”


 - ንመዓርግ ወይ ሓላፍነት ከም መርትዖ ምጥቃም።

ኣብነት፣

“እዚ ፈውሲ ጠቃሚ ምዃኑ ሓደ ህቡብ ሰብ ካብ ተዛረበ፡ ጠቃሚ ክኸውን ኣለዎ።”


 - ብዙሓት ሰባት ስለ ዝበልዎ ሓቂ ክኸውን ኣለዎ ምባል።

ኣብነት፣

“ኣብዚ ትካል ኵሉ ሰብ እዩ ዘውፍር ዘሎ፣ ስለዚ ውሑስ ወፍሪ ክኸውን ኣለዎ።”


 - ብዙሓት ኣማራጺታት እናሃለዉ፡ ክልተ ኣማራጺታት ጥራይ ምቅራብ።

ኣብነት፣

“ወይ ፈታዊና ኵን ወይ ጸላኢና ኢኻ!”


 - ሓደ ንእሽቶ ስጉምቲ ናብ ሰንሰለት ሓደጋታት ከም ዝመርሕ ምእማን።

ኣብነት፣

“ካብ ሎሚ ክብረት እንተብዚሕናሉ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ርእሴና ክስቀል እዩ።"


 - ኣብ ንኡስ መርትዖ ተመርኲስካ ሓፈሻዊ መደምደምታ ምቅማጥ።

ኣብነት፣

"እዚ ጎረቤተይ ገርጫው እዩ። ኵሎም ደቂ ዓዱ ገርጫዋት ክኾኑ ኣለዎም።"


 - ንመደምደምታ ከም ኣካል መርትዖ ምጥቃም።

ኣብነት፣

“ኣብዚ መጽሓፍ ዝተባህለ ኵሉ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ጸሓፊ ፈጺሙ ኣይጋገን እዩ።”


 
 
 

Comments


bottom of page