top of page

ህይወት ቐላል እያ!

Writer: Thomas B
Thomas B
Jun 18
1 min read

ኣንጊህካ ተንስእ፣

ኣብ ስራሕካ ተረኸብ፣

ሓላፍነትካ ተሰከም፣

ሒደት ተዛረብ፣

መብጽዓኻ ፈጽም፣

ህይወት ቀላል እያ!


ብዛዕባ ዘይትቆጻጸሮ ኣይትሕሰብ፣

ካብቲ ቅድሜኻ ዘሎ ኣይትህደም፣

ዘረባ ንኻልኦት ገዲፍካ፡ ኣብ ዕላማኻ ኣተኵር፣

ኣንፈት ንፋስ ብዘየገድስ፡ መኣዝንካ ኣይትስሓት፣

ህይወት ኣዝያ ቀላል እያ!


ቅኑዕ እንተመሲሉካ ፈጽሞ፣

ጌጋ እንተመሲሉካ ኣይትፈጽሞ፣

ሰብ ከጣቅዓልካ ኣይትጸበ፣

ንውሽጥኻ ጥራይ ስማዕ፣

ህይወት ቀላል እያ!


ንነብስኻ ኣፍቅር፣

ንባህሪ ኣፍቅር፣

ንኵሎም ፍጡራት ኣፍቅር፣

ኮታ ንኵሉ ከየጓነኻ ኣፍቅር፣

ህይወት ቀላል እያ!


ቃንዛ ይመጽእ፣

ጨብጨባ ይኸይድ፣

ምርጫታትካ ግና ወትሩ ይስዕቡኻ፣

ትዓግበሉ ጥራይ ምረጽ፣

ህይወት ቀላል እያ!


ዘድልየካ ብዙሕ ኣይኮነን፣

ርጉእ ኣእምሮ ጥራይ፣

ንጹር ዕላማ ጥራይ፣

ድሕሪ ውድቀት ናይ ምትንሳእ ትብዓት ጥራይ፣

መዓልታዊ ነዚ ግበር፣

ህይወት ቀላል እያ!


ዓለም ኣይኮነትን ከባድ፣

እንታይ ትጽዕና'ዩ ዘኽብዳ፣

ስለዚ ኣፍኵስካ ጸዓና፣

ዘድልየካ ጥራይ ጸዓና፣

ህይወት ቀላል እያ!

ሰነ 2025

Recent Posts

See All

Comments


bottom of page