"እዚ'ውን ክሓልፍ እዩ፡" ዓቅሎም ንዘጽበቡ ኣዕሩኽ ፈተውቲ ከነርግእ ብቀጻሊ ንጥቀመሉ ዘረባ እዩ። ብመሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ጥንታዊ ጽሑፋት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ቅድሚ ከባቢ 1,000 ዓመታት ኣቢሉ ብፋርሳዊ ገጣሚ ኣታር ወዲ ኒሻፖር ዝተጻሕፈ ዛንታ ሓደ ኻብ'ቶም ፈለምቲ ነዚ ሓረግ ኣብ ጥቅሚ ዘውዓሉ ጽሑፋት እዩ። እቲ ዛንታ በዚ ዝስዕብ እዩ ዝዝንቶ። ካብ ዕለታት ሓደ ብጥርዚ ስምዒታት ዝሳቐ ንጉስ ነበረ። ኣብ ዝዕወተሎም ወይ ነገራት ከም ውጥኑ ኣብ ዝኸዱሎም እዋናት፡ ልዕሊ መጠን ይፍሳህ። ዓለም ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ ይመስሎ። ኵናት ኣብ ዝሰዓረሎም፡ ወይ ውጥናቱ ኣብ ዝፈሽሉሎም እዋናት ድማ፡ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባቶ፡ ኵሉ ይጽልምቶ። መወዳእትኡ፡ ንኣማኸርቱ ኣብ እዋን ዓወት ክለዝብ፡ ኣብ እዋን ስዕረት ድማ ርእሱ ኸቅንዕ ዝሕግዞ ሓደ ምሉእ ሓሳ