ዘልኣለማዊ ዓብላልነት ክውንነታዊ ድዩ?
- Thomas B

- Mar 11
- 2 min read
ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ዕምሪ ህይወቶም ሓደ ዓብላሊ ወይ ርእሰ-ሓያል ክርእዩ ጥራይ ስለ ዝበቅዑ፡ እቲ ሃገር፡ ግዝኣት ወይ ንግስነት ካብ ጥንቲ ዝዓብለለ ወይ ንዘልኣለም ዝዕብልል ይመስሎም። ግዳ ብሓቂ ኸምኡ ድዩ? እዛ ኣብ ዕምሪ ህይወትና ንፈልጣ እንኮ ዓብላሊት ሃገረ ሕ.መ.ኣመሪካኸ ንዘልኣለም ድያ ክትዕብልል?

ነዚ ሕቶ ኣብ ምምላስ ክልሰ-ሓሳብ ዓሳብያ ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ።
‘ዓሳቢያ’ ብተመራማሪ ታሪኽ እስልምና ኢባን ኻልዱን ኣብ 14 ኽፍለ ዘበን ዝረቀቀ ኣምር ወይ ክልሰ-ሓሳብ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ስምረት ህዝብታት ድማ ይገልጽ። በዚ መሰረት፡ ሓያል ‘ዓሳቢያ’ መሰረት ዕቤት ዓበይቲ ግዝኣታት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ጥምረት ኣብ ዝደኽመሉ ድማ ግዝኣታት የንቆልቁሉ።
ዓሳቢያ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ክሕይል እንከሎ፡ ግዝኣታት ኣብ ዝብልጽጉሉ፡ ዜጋታት ካብ ምስ ሰብ ምስ ነገራት ዘለዎም ዝምድና ይዓቢ’ሞ ከም ውጽኢቱ ሕድሕድ ጥምረቶም ክልሕልሕ ይጅምር። ኻልዱን ከም ዝብሎ፡ ዝበዝሑ ንግስነታት ድሕሪ 5 ወለዶታት የንቆልቁሉ ወይ ፈጺሞም ይቅህሙ።
ብኣብነታት ናይ ዘበንና ሓያል ሕ.መ.ኣ ኣሰኒና ነዚ ምስ ንርእዮ፡
1. ምቋም (ቀዳማይ ወለዶ)
o ሓያል ዓሳቢያ: ሓባራዊ ዕላማ ሸቶን ዝካፈሉ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓያል መራሒ ወይ ስርዓተ-ንግስቲ ይሓብሩ። ክሓብሩ ዘገድደዶም ወራር፡ ባህርያዊ ሽግር፡ ወይ’ውን ሃብታም መሬት ክኸውን ይኽእል።
o (1776-1865): ካብ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ(ናይቲ እዋን ሓያል ዓሳቢያ) ክገላገሉ ዝሓበሩ ኣመሪካውያን፡ ገዛእቲ ድሕሪ ምብራሮም ናጻ ሃገር ኣወጁ።
2. ዕቤት (ካልኣይ ወለዶ)
o ምስፍሕፋሕ: ግዝኣት ሓያል ስርዓተ-መንግስቲ የቅዉም እሞ፡ ከስፋሕፍሕ ድማ ይጅምር። ኣብዚ ደረጃ እቲ ናይ ምስፍሕፋሕ ተበግሶ ምስ ዝዕወት፡ ስፍሓት መሬት ከምኡ’ውን ሃብቲ ግዝኣት ይዓቢ።
o (1865-1845): ድሕሪ ኵናት ሕድሕድ፡ ብዝሒ ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲ ዝሓበራ ክልላት ክዓቢ እንከሎ፡ ከም ውጽኢቱ ጽልዋ ሕ.መ.ኣ ናብ ምዕራብ ኣስፋሕፍሐ። ተወሰኽቲ ግዝኣታት ኣብ ኣላስካን ሜክሲኮን ድማ ሓዘ። ብድሕርዚ ካብ ከባቢያዊ ናብ ዓለማዊ ሓይሊ ዝተለወጠት ኣመሪካ፡ ኣብ ከም ፖርቶሪኮ፡ ጉዋም፡ ፊሊፒንስ ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ግዝኣት ከተስፍሕ ከኣለት።
3. ጥርዚ (ሳልሳይ ወለዶ)
o ወርቓዊ ዘበን ተባሂሉ’ውን ዝግለጽ እዚ ደረጃ፡ ብሳላ ምስፍሕፋሕ ዝመጽአ ሃብቲ፡ ዜጋታት ካብ መሰረታውያን ጠለባት ሓሊፎም፡ ኣብ ጥበብን ትምህርትን ዝያዳ ግዜ ኸጥፍኡ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ርእሲ መንግስቶም ጸቅጢ ፈጢሮም ዝያዳ ፍትሓዊ ሕጊ መንግስቲ ክነድፉ ይረኣዩ። እዚ እዋን መራሕቲ ኣብ ርእሲ ህዝቦም ዘለዎም ቁጽጽር በብቁሩብ ከጥፍኡ ዝረኣዩሉ ግዜ እዩ።
o (1945-1991): ኣብዚ እዋናት ሕ.መ.ኣ ናብ ዓለማዊ ሓይሊ ዝማዕበለትሉ ኮይኑ፡ ብሳላ ዝሓዘቶ ወተሃደራዊ ጸብለልታ፡ ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ጸብለልነታ ኣመስከረት። ብሳላኡ ድማ ኣብ ባህሊ፡ ስነ-ፍልጠት፡ ፍትሒ፡ ከምኡ’ውን ንግዲ ልዑል ዕቤት ኣመዝገበት።
4. ምንቚልቛል፡
o ኣመና ርእሰ-ምትእምማን ተባሂሉ’ውን ዝስመ እዚ ደረጃ፡ ኣመና ሓሻሽነት፡ ምግያጽ፡ ዝሙት፡ ከምኡ’ውን ብልሽዉና ይስዕርር። ግዝኣታት ንነብሶም ከም ክትንከፉ ዘይክእሉ ዘልኣለማዊ ሓይሊ ዝርእይሉ እዋን እዩ።
o (1991-ክሳብ ሎሚ): ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኵናት ኣመሪካ እታ እንኮ ዝሓየለት ሃገር ዓለምና ምስ ኮነት፡ ድሎ ብድሎ ክገጥማ ዝኽእል ዝኾነ ሓይሊ ብዘይምፍጣሩ፡ ብተዛማዲ ተዛንያ፡ ኣብቶም ዓሳቢያ ዘላሕልሑ ዉሽጣዊ ብድሆታት ኣትያ ትርከብ። ብመሰረት ኢባን ኻልዱን ግዝኣት ኣመሪካ ኣብ ፈላሞ ዓመታት ናይዚ ራብዓይ ወለዶ ዓሳቢያ ኣሎ ተባሂሉ ክግምገም ይኽእል።
5. ፍጹም ስዕረት (ሓሙሻይ ወለዶ)
o ዝላሕልሐ ዓሳቢያ ብዉሽጣዊ ሽግራት ደጊም ነብሱ’ውን ክከላኸለሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ምስ ወረደ ብኻልእ ሓያል ዓሳቢያ ዝሰዓረሉ እዋን እዩ። እቲ ዑደት ድማ ብተመሳሳሊ ኣብዚ ሓድሽ ዓሳቢያ ይቅጽል።
o ኣብ ክልሰ ሓሳብ ዓሳቢያ ተመርኲስኩም፡ እቲ ዝቅጽል ዝሓየለ ግዝኣት ዓለም መን ይመስለኩም? ኣብ ቦታ ርእይቶ ሓሳብኵም ኣቀምጡ።




Comments