መንገዲ ፍቅሪ
- Thomas B

- Feb 28
- 1 min read
Updated: Mar 8
ብኣንቶኒ ደሜሎ ዝተጻሕፈት “The Way to Love”፣ “መንገዲ ፍቅሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ተተርጒማ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ ኣላ።
“መንገዲ ፍቅሪ” 31 ምዕራፋት ኣለዉዋ። ነፍሲ-ወከፍ ምዕራፍ ብጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጅምር። ኣብዚ ጥቅሲ ዘተኮረ ኣስተንትኖኣዊ ትሕዝቶ ድማ ይስዕብ። ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ ምስ ዉሽጥኻ ኣስተንቲንካ፡ መንፈስካ ኣንጺህካ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ፍቅሪ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ረጊጽካ ክትገጥም ምሕጋዝካ እዩ። ቍንጫል ካብ ትሕዝቶታት መንገዲ ፍቅሪ . . .
ዕለት 8፣ ዕዉራን ይርእዩ እዮም
ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ።
—ወ. ዮሐንስ 9:39
ፍቕሪ ዕዉር እዩ ይበሃል እዩ። ግዳኸ ሓቂ ድዩ፧ ግደ ሓቂ ኣብዛ ዓለም ከም ፍቕሪ ዝነቊሑ ኣዒንቲ ዘለዎ ነገር የሎን። እቲ ዕዉር ፍቕሪ ዘይኮነ ጥብቆ እዩ። ጥብቆ ካብ ኣጉል እምነት ዝምንጩ ሓደ ነገር ወይ ሰብ ንሓጎስካ ኣገዳሲ ኾይኑ ኽስመዓካ ዝገብር ኵነተ-ጽግዕተኛነት እዩ። ጥብቆታት፣ ማለት ብኣጉል እምነት ተደሪኽካ ብዘይብእኦም ክትሕጎስ ዘይትኽእል ዝመስሉኻ ሰባት ወይ ነገራት ኣለዉ ድዮም፧ብኸመይ ከም ዘዕውሩኻ ቅድሚ ምዝራብና እምበኣር ፈለማ ነዞም ነገራትን ሰባትን ዘርዝሮም።
ፖለቲካዊ ሓይሊ ኽሳብ ዘይጨበጠ ክሕጎስ ከም ዘይክእል ነብሱ ዘእመነ ሓደ ፖለቲከኛ ሰኣል። ናይ ሓይሊ ህርፋኑ ንዝቅጽል ዕምሩ ዘለዎ ኣጠማምታ እዩ ዝቀርጽ። ንስድራቤቱን ኣዕሩኹን ዝኸውን ግዜ የብሉን። ስለዚ ንኵሎም ሰባት ብመንጽር ንዕላማኡ ዘለዎም ደገፍን ስግኣትን እዩ ዝጎጃጅሎም። ነቶም ዘይድግፍዎን ዘየስግእዎን ድማ ከም ዘለዉ’ውን ኣየስተውዕለሎምን። ኣብ ርእሲ ናይ ሓይሊ ህርፋኑ ኸም ጾታዊ-ርክብ ወይ ገንዘብ ዝኣመሰሉ ጥብቆታት ምስ ዝህልውዎ፡ ኣረኣእያኡ በዞም ነገራት ጥራይ ስለ ዝዕፈን እዚ ምሽኪን ምስ ዕዉራት ክምደብ ይኽእል እዩ። ብዘየካ ንሱ ኵሎም ሰባት ነዚ ዕውረቱ የስተውዕሉሉ እዮም። ንሓቂ፡ ጽባቀን፡ ቅኑዕነትን ዝነጽጎም እምበኣር ብኻልእ ምኽንያት ዘይኮነ ክርእዮም ስለ ዘይክእል ጥራይ እዩ . . .
መጽሓፍ "መንገዲ ፍቕሪ" ካብ https://semayat.com/ ወይ https://www.athenawisdomhub.com/books ኣዚዝኵም ኣካል ዕለታዊ ልምድታትኵም ክትገብርዋ ይዕድመኵም።




Comments