top of page

ደረጃታት ድሌት ማስሎው – ሃረም ህይወት

  • Writer: Thomas B
    Thomas B
  • Mar 10
  • 1 min read

ኣብ 1943፡ ኣመሪካዊ ተመራማሪ ስነ-ልቦና ኣብራሃም ማስሎው ኣብቲ "ክልሰ-ሓሳብ ድርኺት ወዲ-ሰብ (A Theory of Human Motivation)" ዝሰመዮ መጽናዕታዊ ወረቀት፡ ድርኺታት ደቂ-ሰብ ብመንጽር ድሌታቶም ቅርጺ ሃረም ተጠቂሙ ሓደ ትዕዝብቲ ኣካፈለ።


ኣብዚ ትዕዝብቲ፡ ኣብ መሰረት ናይቲ ሃረም ዘቀመጦም እቶም መሰረታውያን ድሌታት ሰባት ዝኾኑ መግቢ፡ ማይን መዕቀልን እዮም። ብመሰረት ማስሎው እዚኣቶም እቶም ሰባት ህይወቶም ከቀጽሉ ዝጠልብዎም መሰረታውያን ድሌታት እዮም። ምእንትኡ ድማ እዚ ኵሎም ደቂ-ሰብ ዝካፈልዎ ደረጃ ድሌታት እዩ።

ሰባት ነዞም መሰረታውያን ጠለባት ምስ ኣማልኡ ዝስዕብ ድሌቶም ውሕስነት እዩ። ኣካላዊ፡ ስምዒታውን ቁጠባውን ውሕስነት ይደልዩ። ነዚ ዘማልእ ውሑስ ኣከባቢ ምስ ዝረኽቡ ድማ ናብ'ቶም ዝቅጽሉ ጠለባት የተኵሩ።

እቲ ሳልሳይ ደረጃ ፍቅርን ተቀባልነትን እዩ። ኵላትና ስድራቤት፡ ዕርክነትን፡ ኣካሉ ዝኾና ማሕበረ-ሰብን ንደሊ። ተነጺሉ ክነብር ዝኽእል ሰብ የሎን።


ብድሕርዚ ነብሰ ክብሪ ይስዕብ። ደቂ ሰብ ኣካል ማህበራዊ ጉጅለ ምስ ኮኑ ክብረት፡ ርእሰ-ምትእምማን፡ ተፈላጥነትን፡ ዋጋን ይጠልቡ። ሰባት ክብሪ ዘለዎም ኮይኑ ምስ ዝስምዖም ሓይሊ ይድልቡን ዝያዳ ኣፍረይቲ ይኾኑን።


ኣብ ናይ ማስሎው ሃረም እቲ ናይ መወዳእታ ጥርዚ ደረጃ ዝሓዘ ድሌት ደቂ-ሰብ ነብስኻ ምፍላጥ እዩ። ኣብዚ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ዕቁር ጸጋታቶም ይምዝምዙ፡ ብዕላማ ይነብሩ፡ ፈጠርቲ ይኾኑ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ዉሽጣዊ ዕግበት ይረኽቡ። ብመሰረት መጽናዕቲ ማስሎው ግዳ እዞም ኣብዚ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ብቍጽሪ እቶም ዝወሓዱ እዮም።

ብሓፈሻ መልእኽቲ ማስሎው ቀሊል እዩ፣ ነዞም ደረጃታት ህይወት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብምድያብ፡ ስጉምቲ ብስጉምቲ ኢና ንዓቢ። መሰረት ምስ ኣደልደልና ጥራይ ኢና ዕቁር ጸጋና መዝሚዝና ዝተፈጠርናሉ ዕላማ ንምልስ። ምእንትኡ ድማ ብደስታ ዝተመልአ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ንመርሕ።


 
 
 

Comments


bottom of page