ኣብ ምንባብ ዘሎ ሓርነት!
- Thomas B

- Mar 9
- 1 min read
ዝበዝሑ ሰባት ንዳሕረዋይ ገጽ ታሪኽ-ህይወት ማልኮም ኤክስ እዮም ዝፈልጡ። ናብቲ ደረጃ ክበጽሕ ዝሰገሮ ጕዕዞ ዝፈልጡ ሒደት እዮም።
ማልኮም ኤክስ ገበነኛ እዩ ነይሩ። ዕጸ-ፋርስ ይሸይጥ። ኣመንዝራታት ይድልል። ድሒሩ ድማ ናብ ብጠበንጃ ዝተሰነየ ዝምታ ሰጊሩ። ክሳብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉጅለ ገበነኛታት ከይተረፈ የመሓድር ነበረ። ኮታ ሞት ይኹን ሰብ ምቅታል ዘፍርሖ ኣራዊት ነበረ።
ካብ ዕለታት፡ ዝሰረቃ ክብርቲ ሰዓት እናሸጠ እንከሎ ሃንደበት ብፖላይስ ተኸበ። ኣብቲ ህሞት ጠበንጃ ዓጢቁ እኳ እንተነበረ፡ ተዅሲ ክኸፍት ከይፈተነ ግና፡ ብሰላም ኢዱ ክህብ መረጸ። ቤቱ ምስ ተፈተሸ፡ ክቡራት ስልማታት፡ ናይ ጸምሪ ልብስታት፡ብዙሓት ጠበናጁ፡ ከምኡ’ውን ኵሎም ናይ ስርቂ መሳርሒታቱ ተረኽቡ።
ኣብ ለካቲት 1946 ገና ዕስራን ሓደን ዓመት ዘይመልአ ማልኮም ኤክስ ዓሰርተ ዓመታት ክእሰር ተፈርደ።
ኣብዚ ህሞት ማልኮም ኤክስ መጻኢኡ ከብርህ ወይ ከጸልምት ክልተ ምርጫታት ነበርዎ። ማልኮም ብርሃን መረጸ። ክመሃር ጀመረ። ሃይማኖታት ዳህሰሰ። ካብ ቤት-ንባብ መዝገበ ቃላትን ተለቂሑ፡ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ቃል ከይገደፈ ሸምደዶ። ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ከም ዝነበሩ'ውን ዘይፈልጦም ዝነበረ ቃላት እንግሊዘኛ ድማ ኣእምሮኡ ኣስፍሑን ለወጡን።
ካብታ ዝተቀየደላ ክሳብ ዝተፈትሓላ መዓልቲ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዝረኸቦ ናጻ ግዜ፡ ዋላ’ውን ቤት-ንባብ እንተተዓጽወ፡ ኣብ ሸልኡ የንብብ ነበረ። ብዛዕባ ታሪኽ፡ ስነ-ማሕበረሰብ፡ ሃይማኖታት፡ ታሪኻውያን ልብ-ወለዳት፡ ከምኡ’ውን ብከም ካንትን ስፒኖዛን ዝተጻሕፉ ፍልስፍናዊ ጽሑፋት ኣንበበ። ድሒሩ ሓደ ጋዜጠኛ፡ “ካበየናይ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቅካ፧” ክብል ምስ ሓተቶ፡ መልሱ፡ “መጻሕፍቲ፡” ዝብል ነበረ። ኮሌጁ ቤት-ማሕቡስ እዩ ነይሩ። ከም ዝተሓበሰ’ውን ፈጺሙ ከይተሰቆሮ እዩ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ተፈቲሑ። ኣብ ህይወቱ ከም ሽዑ ጌሩ “ሓርነት” ኣስተማቂሩ ኣይፈልጥን።
ዝሰዓበ ታሪኹ ከምቲ ኵላትና ንፈልጦ እዩ . . .
እቲ ዘገርም ግና ታሪኽ-ህይወት ዝበዝሑ ተዘከርትን ጸለውትን ሰባት ተማሳሳሊ ምዃኑ እዩ!




Comments