ዛንታ ቅብኣ The Last Supper ብሊዮናርዶ ዳቪንቺThomas BFeb 251 min readUpdated: Mar 8ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ነዛ ካብ ዝሃበባ ቅብኣታቱ ዝኾነት “The last supper” ክቀብእ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ሓደ ዓቢ ብድሆ ክሰግር ነበሮ። ኣብ ምስሊ የሱስ ኣምላኽ፡ ኣብ ምስሊ ይሁዳ ድማ ሸይጣን ብልክዕ ምንጽብራቅ። ነዚ መንፈስ ዘንጸባርቁ ዉልቀ ሰባት ክሳብ ዝረክብ ድማ ምቅባእ ኣይጀመረን።ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት-ክርስትያን እናተዘመረ፡ ኣብ ገጽ ሓደ ካብ’ቶም ዘመርቲ ልክዕ ምስቲ ዝቀረጾ ምስሊ የሱስ ዝመሳሰል መልክዕ ዝውንን ሰብ ረኣየ። ናብ ስቱድዮኡ ዓዲሙ ድማ ዝርዝራዊ ንድፊ ገጹ ወሰደ።ብድሕር’ዚ ሰለስተ ዓመታት ሓሊፎም፡ ነታ ቅብኣ ዳርጋ እንተዛዘማ’ኳ ምስ ይሁዳ ዝመሳሰል ሰብ ግና ክረክብ ኣይከኣለን። እዚ እናኾነ ነቲ ስራሕ ብሓላፍነት ዝከታተል ዝነበረ ካህን ብምድንጓዩ ልዑል ጸቅጢ ይገብረሉ ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ምንዳይ ግና እቲ ዝደልዮ መልክዕ ብወዝቢ ተጓነፎ። ብእርጋን ዝተሰነፈ ዝመስል፡ ብላይ ክዳውንቲ ዝለበሰ ብመስተ ተሰኒፉ ኣብ ጥቃ መትረብ ረሳሕ ማይ ዝተጋደመ መንእሰይ።ንተሓጋገዝቱ ንእለቱ ናብቲ ቤት-ክርስትያን ከምጽእዎ ኣዘዞም። ዘገላብጥ ግዜ ስለ ዘይነበሮም፡ ዳቪንቺ ብሃወኽ ነቲ ድርቅና፡ ሓጢኣት፡ ከምኡ’ውን ኣንነት ዝንበቦ ምስሊ ገጹ ብቅጽበት ኣብቲ ክዛዘም ዝቀረበ ቅብኣ ኣንበሮም። እቲ ለማኒ ኣብ ፈለማ እንታይ የጋጥም ከም ዝነበረ እኳ እንተዘይተረድኦ፡ ድሒሩ ካብ ስኽራኑ ብኸፊል ክበራበር ምስ ጀመረ ግና ኣዒንቱ ከፊቱ ነቲ ኣብ ቅድሜኡ ዝነበረ ስእሊ ጠመቶ።ስንባደን ሓዘንን እናተደባለቆ ድማ ከምዚ በለ፡“ነዚ ቕብኣ ቅድሚ ሎሚ ርእየዮ ይፈልጥ እየ!”“መዓሰ፧” ሓተቶ ሓደ ኻብ ተሓጋገዝቲ ዳቪንቺ።“ሰለስተ ዓመታት ይገብር፡ ቅድሚ ኵሉ ዝውንኖ ምኽሳረይ፡ ኣብቲ ዘማራይ ዝነበርኩሉ ትስፉው እዋን። እዚ ቀባኣይ ካብ ፍረ ገጸይ ምስሊ የሱስ ከትርፍ ናብዚ ዓዲሙኒ ነይሩ።”**እዚ ዛንታ ብሓቂ ከም ዘጋጠመ ዘረጋግጽ ብቀዳማይ ኣካል ዝተጻሕፈ መርትዖ ከም ዘየሎ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ግዳኸ ህቡብ ኣፋዊ ዛንታ ብዛዕባ ቅብኣ The last supper እዩ።
Comments