ምደለኹ!
- Mussie Girmatsion

- Mar 9
- 1 min read
ምደለኹ!
እግረይ ኣመሳቒለ
ኣብ ጣውላ ሰቒለ
ተሌፎን ኣብ እዝነይ ቐርቒረ
ሕሉፍ እናዘከርኩ
ምስ ፈተውተይ ከዕልል
ብሰሓቕ ክርትም ክብል
ጽምው እንክብል
ሪሞት ኣልዒለ ቻነላት ክቐያይር
ምደለኹ ግን...
መን እሞ ይዕየየለይ
እዚ ናይ ሎሚ ዕዮይ
መን እሞ ይኺደለይ
ናይ ጽባሕ ጉዕዞይ
ምደለኹ!
ኣብ ሕልመይ ክነብር
ትርፊ ዘይርከቦ ሕልሚ መዋእል
መን እሞ ይኽፈሎ እቲ ቢል
መን እሞ ይሰከሞ እቲ ጾር
ምደለኹ!
ኣብቲ ጀምዓ ክሓብር
ባራት እናቐያየርና
ብባህታ ክንሰክር
መን እሞ ኣንጊሁ ክወፍር
ንዓይ ወኪሉ እንጌራይ ክምእርር?
ጥዑም ደኣ ጥዑም'ዩ እምበር
ምደለኹ ኩሉ ጠጥዕሙ ከስተማቕር
ግን….
ከይተነኸስካ ሕንዚ ኣይርከብን መዓር
ጥዑም ኣይምቕርን ከይጠዓምካ መሪር
ንኹሉ ኣኣብ ግዚኡ ጥራይ ንንበር
ጽባሕና ክትጽብቕ ንሎሚ ንትረር




Comments