እዚ'ውን ክሓልፍ እዩ īn nīz bogzarad

"እዚ'ውን ክሓልፍ እዩ፡" ዓቅሎም ንዘጽበቡ ኣዕሩኽ ፈተውቲ ከነርግእ ብቀጻሊ ንጥቀመሉ ዘረባ እዩ።
ብመሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ጥንታዊ ጽሑፋት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ቅድሚ ከባቢ 1,000 ዓመታት ኣቢሉ ብፋርሳዊ ገጣሚ ኣታር ወዲ ኒሻፖር ዝተጻሕፈ ዛንታ ሓደ ኻብ'ቶም ፈለምቲ ነዚ ሓረግ ኣብ ጥቅሚ ዘውዓሉ ጽሑፋት እዩ። እቲ ዛንታ በዚ ዝስዕብ እዩ ዝዝንቶ።
ካብ ዕለታት ሓደ ብጥርዚ ስምዒታት ዝሳቐ ንጉስ ነበረ። ኣብ ዝዕወተሎም ወይ ነገራት ከም ውጥኑ ኣብ ዝኸዱሎም እዋናት፡ ልዕሊ መጠን ይፍሳህ። ዓለም ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ ይመስሎ። ኵናት ኣብ ዝሰዓረሎም፡ ወይ ውጥናቱ ኣብ ዝፈሽሉሎም እዋናት ድማ፡ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባቶ፡ ኵሉ ይጽልምቶ። መወዳእትኡ፡ ንኣማኸርቱ ኣብ እዋን ዓወት ክለዝብ፡ ኣብ እዋን ስዕረት ድማ ርእሱ ኸቅንዕ ዝሕግዞ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ክምህዙ ኣዘዘ።
ኣማኸርቱ ነዊሕ ድሕሪ ምሕሳብ፡" īn nīz bogzarad" ወይ "እዚ'ውን ክሓልፍ እዩ፡" ዝብሉ ቃላት ዝተወቕሮ ካትም ሰርሑሉ። እዞም ቃላት ኣብ ህይወቱ ካብ ዝተቀበሎም ህያባት፡ እቶም ዝኸበሩ ኮይኖም ረኸቦም። ብዓወት ክሰግር ኣብ ዝደናደነሉ፡ ግዝያዊ ምዃኑን፡ ምሕላፉ ከም ዘይተርፍን ኣዘኻኸርዎ። መከራ ኣብ ዝነግሰሉ'ውን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ክሓልፍ ምዃኑን፡ ዓቅሉ ከየጽብብን ኣበራትዕዎ።
እዞም ቃላት ብብዙሓት ቋንቋታት ክረዓሙ እንከለዉ፡ ናብ ተዛረብቲ እንግሊዘኛ ኣብ 1850ታት ብኤድዋርድ ፊትዝጀራልድ ተላልዮም፡ ኣብራሃም ሊንኮን ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ቅድሚ ምምራጹ ኣብ ዝሃቦ መደረ ምስ ተጠቅመሎም ድማ፡ ኣብ ዓለመ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዘኛ ሃበቡ።
ኣብ ቋንቋ ትግርኛ'ውን፡ ኵሉ ሓላፋይ ምዃኑ ዘዘኽእኽሩ ሓረጋት ልሙዳት እዮም። መዓስ ፋልማይ ኣብ ጥቅሚ ውዒሎም ምፍላጥ ግና ዓሚቊ መጽናዕቲ ይሓትት። ቤተ-ሰብ ኣተና፡ ነዞም ቃላት ዝጠቅሱ መጻሕፍቲ ትግርኛ ኣንቢብኩምዶ ትፈልጡ? ኣብ ቦታ ርእይቶ ክትዝርዝሩ ብትሕትና ነዘኻኽር።



Comments