FedEx ብቁማር ሰሪሩ?
- ATHENA EDITORIAL
- Apr 9
- 1 min read
ኣብ መፋርቅ ዓመተ 1974፡ መስራቲ ትካል ጶስጣ ፈደክስ [FedEx (Federal Express)] ዝኾነ ፍረድ ስሚዝ፡ ንዝበዝሑ ጀመርቲ ሰብ-ዋኒን ዝገጥሞም ሽግር ጎነፎ። ነቲ ሓደ ዓመት ቀዲሙ ኣብ ሚያዝያ 1973 ዝመስረቶ ዉልዶ ትካሉ መካየዲ ዝኸውን ገንዘብ ጸንቀቀ። ዘለዎ ነጊፉ ጨቆቕ እናበለ ክሳብ ሽዑ እኳ እንተብጽሖ፡ መወዳእታኡ ንሰራሕተኛታት፡ ነዳዲ ይኹን መሰረታውያን ትካል ከካይደሎም ዝኽእል ንጥፈታት ዝሽፍን ገንዘብ ኣይነበሮን።
ኣብ ሕሳቡ ዝነበረ መጠን 5000 ዶላር ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ሓንቲ መዓልቲ'ውን ከሰጒሞ ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ ሓጺር ህሞት፡ ዝኾነ ገንዘብ ክረኽበሉ ዝኽእል ምንጪ ኣይነበረን። ስለዚ ስሚዝ ኣብ ጽሕፍቶ ኣሚኑ ሓደ ዘይልሙድ ምርጫ ወሰደ። ኣብ ሕሳቡ ዝነበረ ዝርካቡ ኣቅራሽ ኣኪቡ ናብ ላስ ቬጋስ ክጣላዕ በረረ።
መጻኢ ትካሉ፡ ሰራሕተኛታቱ፡ ስድራቤቱን፡ ሕልምታቱን ኣብ ዓንኬል ጠላዕ ኣውረደ። ኣብ ዋኒን ክትዕወት ክትጣላዕን ሓደጋ ክትወስድን ኣሎካ ዝበሃል ብሂል ቃል ብቃሉ እዩ ተግቢርዎ። ኣይፈሸለን ድማ 27,000 ዶላር ሒዙ ንቤቱ ተመልሰ። እዚ መጠን ድማ ክሳብ ተወሳኺ ምንጭታት ዝርከቡ ንትካሉ ሒደት መዓልታት ከም ዝሰርር ገበረ።
ብድሕርዚ ምስ ኣውፈርቲ ብዝገበሮ ዕዉት ስምምዕ፡ ተወሳኺ ናይ 11 ሚልዮን ዶላር ሙወላ ረኸበ። ኣብ 1976 ትካል ፌደክስ 75 ሚልዮን ርእሰ-ማል ከዋህልል እንከሎ፡ ሓደ ኻብ ዕዉታት ዋኒናት ሕ.መ.ኣ ክኸውን ድማ በቅዐ።
ሎሚ ትካል ፈደክስ ካብ ሕ.መ.ኣ ሓሊፉ ሓደ ኻብ ዓርሞሸሽ ትካላት ዓለምና እዩ። ብሚልዮናት ዝግመት ንብረት ካብን ናብን ኣበየ ኵርናዕ ዓለምና ከበጻጽሕ እንከሎ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ድማ ኣለዉዎ።
እዚ ኵሉ ግና ብሳላ ኢድካ ምሃብ ከም ምርጫ ዘይወሰደ ዉልቀ-ሰብ እዩ ተኸሲቱ። ብሓፈሻ ኣጋጢሙካ ዘሎ ብድሆ ብዘየገድስ፡ ሕልምኻ ካብ ምቅታል ዘድሕን እንተወሓደ ሓደ መፍትሒ ኣሎ። እዚ ኣድማሳዊ ሕጊ ደቂ-ሰባት እዩ። ስለዚ ኣብ ሕልምኻ ሙሉእ እምነት ምስ ዝህሉን፡ ፈጺምካ ድማ ኢድካ ምስ ዘይትህብ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ እዋን'ውን በዚ መጽዩ ዘይትብሎ ዕድል ሕልምኻ ኸድሕን እዩ።



Comments