ፈላሚ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝቆረጸ ኣብራሪ!
- Thomas B

- Mar 14
- 1 min read
ቻርለስ ሊንድበርግ ሰገጥ ከብልዎ ዝግባእ ብዙሓት ምኽንያታት ነበሩ። ከየዕረፈ ብልዕሊ ኣትላንቲካዊ ዉቅያኖስ በሪሩ ዝፈልጥ ሰብ ቅድሜኡ ኣይነበረን።
ንሱ ንባዕልሉ’ውን ይትረፍ ዉቅያኖስ፡ ብልዕሊ ዝኾነ ማያዊ ኣካል በሪሩ ኣይፈልጥን እዩ። ልዕሊ 800 ኪሎሜተር ከየዕረፈ’ውን በሪሩ ኣይፈልጥን እዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ በረራ ክትፍጽም ዝሓተካ 55 ሰዓታት’ውን ከየዕረፈ ነፋሪት መሪሑ ኣይፈልጥን።
ወናኒ መዕረፊ ኣጋይሽ ዝኾነ ረይሞንድ ኦርቴግ ካብ ኒውዮርክ ናብ ፓሪስ ብዘይዕረፍቲ ንዝበረረ ኣብራሪ ነፋሪት 25,000 ዶላር ጒንዖ ኸም ዝህብ ምስ ተማባጽዐ፡ ንብዙሓት ኣብረርቲ መሰጠ። ሓደ ኻብ’ዞም ተወዳደርቲ ኣብ ልምምድ ነፋሪቱ ክትሕምሸሽ እንኮላ፡ ኣርባዕተ ኻብ’ቶም ኣብረርቲ ድማ ኸቢድ መጉዳእቲ ወረዶም። ድሕሪ ገለ ሳምንቲ’ውን ክልተ ካብ ኒውዮርክ ናብ ፓሪስ ክበጽሑ ዝተበገሱ ኣብረርቲ ኣብ ማእከል በረራ ደሃይ ኣጥፊኦም ብድሕሬኡ ኣሰሮም ኣይተረኽበን።
እዚ እናፈለጠስ ብልዕሊ ዘርዕድ ማያዊ ኣካል ንከባቢ 600 ኪሎሜተር ንብሕቱ ኽበርር፧ ነፋሪቱ ልዑል ክብደት ስለ ዝነበራ፡ ጋንጽላ ክትስከም’ውን ዓቅሚ ኣይነበራን። ብሓቂ ንነብሱ ልዕሊ ዓቅማ ይሓታ ነበረ።
ኣብ ግንቦት 19፡ 1927፡ ሊንድበርግ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሩዝቨልት ክበጽሕ እንከሎ፡ ዝኾነ ካብ መወዳድርቱ ኣብኡ ኣይጸንሖን። ንሓጺር እዋን ኵነታት ኣየር ክረግእ ድሕሪ ምጽባዩ፡ ነዳዲ መልአ። ኣብታ ለይቲ ሰለም ከየበለ እዩ ሓዲሩ። ንግሆ’ውን ብጉዳይ ንፋስን ቀረባትን ዘይምርድዳእ ተኸስተ። ካብቲ ዝመደቦ ግዜ ዶንግዩ ነበረ። ኵሎም እቶም ሽግራትን ግድላትን ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለሱ ነበሩ። ኣብ ኣዒንቲ ኵሎም ኣብቲ ስፍራ ነፈርትን ቅጥራንን ዝነበሩ ሰባት’ውን ስምዒት ምጥርጣር ይንበብ ነበረ። ምኽንያቱ ደጋጊሞም ብዝረኣይዎ ፈተነታት መሰረት፡ እቲ ዉጽኢት ግሁድ ነበረ።

ናብ ነፋሪቱ ተሰቅለ። መነጽሩ ገጠመ። ሞቶረ ኣተንስአ። ኣብ ሒደት ደቃይቅ፡ ምስ ጽሕፍቶኡ ተፋጠጠ። ተማትአ። ደጊሙ ኣሰላሰለ። ንኵሉ ጎስዩ ድማ ነፋሪቱ ኣሐንበበ። 7፡52 ቅ.ቀ. ነፋሪቱ ቅጥራን ለቀቀት። ትሕቲ መዓልትን ፈረቃን ጸኒሑ ድማ ነብሱ ኣብ ፈረንሳ ረኸባ።
ነዚ ኵሉ ፍርሒ ኸመይ ኣቢልካ ሰገርካዮ፧ ነቶም ነቲ ተግባር ከይትውዕሎ ዘመላኽቱ ዝነበሩ ኵሎም መርትዖታትከ ብኸመይ በዲህካዮም?
መልሱ? "ፍርሒ ኽትብድህ፡ ክትከይድ ጥራይ እዩ ዘሎካ። ክትትግብር ጥራይ እዩ ዘሎካ። ናብቲ ጸላም ትንቆት። እዚ እቲ እንኮ መንገዲ እዩ።"



Comments