ሸኻ ጎደቦና ይለምዕ
- ATHENA EDITORIAL
- Mar 23
- 1 min read
ደቂ ሰብ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝውንንዎ፡ ነቲ ዘይናቶም ዝያዳ ክብህጉ ይረኣዩ። ብመሰረት ኣገላልጻ ምሁራት ስነ-ኣእምሮ፡ እዚ ኵነተ-ኣእምሮ ብሰሪ ከም ዘይክውንነታዊ ትጽቢታትን፡ ብዘለካ ዘይምዕጋብን ዝኣመሰሉ ሳዕቤናት ዝተዛብዐ ተገንዝቦ እዩ ዘጋጥም። ሓጎስ ወትሩ ካብ ደገ ጥራይ ምጽባይ ኣብ ዘየዕርፍ ዑደት ውድድርን ሃንቀውታን ኣእትዩ፡ ውጽኢቱ ድማ ቅንእን ዕርበት ሕልናን ይኸውን። ከም ማርቆስ ኣውረሊዮስ ዝኣመሰሉ ስቶዋውያን፡ ካብዚ ሕማም ንምግልጋል ወትሩ ኣብ ሕጂ፡ ኣብቲ ዘሎና ጥራይ ከነተኩር፡ ሓጎስ ኣብ ኣጠማምታና ስለ ዝምርኮስ ድማ፡ ደጋውዊ ኵነታት ጎሲና ናብ ዉሽጥና ኣተኵርና ጸጋታትና ክንምዝምዝ ይመኽሩና።

ብኣመሪካዊ ሊቕ ስነ-ኣእምሮ ሊዮን ዝረቀቀ ክልሰ-ሓሳብ ማሕበራዊ ውድድር ከም ዘነጽሮ፡ ነብስና ምስ ካልኦት ምዉድዳር ዘይዕጉብነት እዩ ዘዕቢ። ነዚ ንምዉጋድ፡ ወትሩ ከነመስግንን፡ ዘሎና ከነኽብርን ይግባእ። ብመሰረት ኣመሪካዊ ዶክተር ስነ-ኣእምሮ ሮበርት ኤሞንስ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዘሎና ምምስጋን፡ ኵነተ-ኣእምሮ ብልጽግና ከም ዝህልወና ገይሩ፡ ናብ ሃብትን ብልጽግናን ክመርሓና እንከሎ፡ ኣብ ሕጂ ጥራይ ምቱኳር ድማ ካብ ፍረ-ኣልቦ ልምዲ ሃንቀውታ የገላግለና ።
ቀንዲ ነዚ ኵነተ-ኣእምሮ ንስዕረሉ መንገዲ ኣተኵሮና ካብ ደጋዊ ባህግታት ናብ ልባዊ ዕግበት ወይ ዉሽጣዊ ሙሉእነት ምጥምዛዝ እዩ። ከም ቡድሃውነት ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ ባህልታት ምብራቅ ጽቡቅ ኣብነት ናይዚ ኵነተ-ኣእምሮ ኮይኖም፡ ተኸተልቲ'ዞም እምነታት 'ሃንቀውታ ንዝሓሸ ኵነታት' ስቃይ መሊሱ ስለ ዘጋድድ ኣብ ሕጅን ዉሽጦምን ዝያዳ ንኸድህቡ ይቃለሱ። ሓቀኛ ዕግበት ቦታ ብምልዋጥ ወይ ኣቅሓ ብምዉሳኽ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዘለናዮ ብሙሉእነት ብምንባርን ዘሎና ምምስጋንን እዩ ዝርከብ። ስግንጢርነት ዓለም ከይተርፍ ድማ፡ ነዚ ምስ ገበርና እዩ ሸኻና ብዝያዳ ዝለምዕ። ወርቅን ጨርቅን ድማ ይስዕቡ።



Comments