ዓመት-ብርሃን እንታይ እዩ?
- Thomas B

- Mar 21
- 2 min read
ኣብ ኣድማስ ኣብ መንጎ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ዘሎ ርሕቀት ኣየናይ ኣሃዱ ተጠቂምና ንዕይሮ ሓሲብናዶ ንፈልጥ? እምበኣር እቲ ኣሃዱ ዓመተ-ብርሃን እዩ ዝበሃል።
ዓመተ-ብርሃን ግና እንታይ ማለት እዩ?
ዓመተ-ብርሃን ብቀሊሉ ብርሃን ኣብ ሓደ ዓመት ዝጓዓዞ ርሕቀት ማለት እዩ። ብርሃን ኣብ ኣድማስ 300,000 ኣብ ሰዓት ስለ ዝጓዓዝ ድማ፡ ኣብ ዓመት 9.46 ትሪሊዮን ኪሎሜተራት ይሽፍን። እምበኣር ሓደ ዓመተ-ብርሃን ክንብል እንከሎና 9.46 ትሪሊዮን ኪሎሜተር ንብል ኣሎና ማለት እዩ።
ብኻልእ መንጽር ሓደ ፕላኔት 10 ዓመተ-ብርሃን ካብ ዓለም ርሒቁ ኣሎ እንተይልና፡ ቴለስኮፕ ተጠቂምና ነዚ ፕላኔት ክንዕዘቦ እንከሎና፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ መልክዑ ደኣ'ምበር ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ኣይኮናን ንዕዘብ ዘሎና።
ከም ኣብነት እታ ናብ ጸሓይ ዝቀረበት፡ ፕሮክሲማ ሴንቹሪ ከባቢ 4.24 ናይ ብርሃን ዓመታት ካባና ርሒቃ ኣላ። እዚ ማለት ሎሚ ኣብ ቴለስኮፕና ንርእዮ ዘሎና ምስሊ ናይዛ ኮኾብ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝነበረ እዩ።
ኣብ ካልኦት ፕላኔታት ህይወት ኣሎ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ስነ-ፍልጠተኛታት ጠፈር ክምልሱ ካብ ዘጋጥምዎም ብድሆታት ሓደ ድማ እዚ እዩ። ምኽንያቱ ዝበዝሓ ካብ'ዘን ማይ ኣለወን ዝበሃላ ፕላኔታት ኣሽሓት፡ ሚልዮናት፡ ወይ'ውን ቢልዮናት ናይ ብርሃን ዓመታት ርሒቀን እየን ዝርከባ። በዚ ምኽንያት ድማ ሕጂ ኣብ'ዘን ፕላኔታት እንታይ የጋጥም ኣሎ ክፈልጡ ይሽገሩ።
ኣብነት ክኾነና ኬፕለር-452ቢ ተባሂላ ትፍለጥ ንመሬት ኣዝያ ከም ትመሳሰል ትግለጽ፡ ምስ ጸሓይ ኣብ ትመሳሰል ኮኾብ ትዘውር ፕላኔት ካብ መሬት 1,400 ናይ ብርሃን ዓመታት ርሒቃ ኣላ። እዚ ማለት ሓደ ኣብዛ ዓለም ክህሉ ዝኽእል ፍጡር ናብ መሬት ቴለስኮፕ ገይሩ ምስ ዝዕዘብ፡ ክርእዮ ዝኽእል ክሳብ'ቲ ዓለም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማውያን ዝነበረትሉ እዋናት ጥራይ እዩ።

ካልእ ክሳብ ሎሚ ብስነ-ፍልጠተኛታት ክረኣያ ክኢለን ካብ ዘለዋ ዝረሓቃ ፕላኔታት፡ ጂኤን-ዘድ11 ትበሃል ኮይና፡ ካብ ስርዓተ ጸሓይና ድማ 13.4 ቢልዮን ናይ ብርሃን ዓመታት ርሒቃ ትርከብ። ብዛዕባ'ዛ ፕላኔት ክህልወና ዝኽእል ሓበሬታ እምበኣር ኣብ ግምት ነእቱ።
ክሳብ ሎሚ ተበጺሑ ክሳብ ዘሎ፡ ስነ-ፍልጠተኛታት ጠፈር ቢልዮናት ናይ ብርሃን ዓመታት ርሒቆም ክዕዘቡ በቂዖም ኣለዉ። ሃብል ዝተባህለት ቴለስኮፕ ጠፈር ክሳብ 13 ቢልዮን ናይ ብርሃን ዓመታት ዝምርሓቁ ምስልታት ከተርኢ እንከላ፡ ካብ 2021 ኣትሒዛ ኣብ ጥቅሚ ዝወዓለት ቴለስኮፕ ጄምስ ዌብ ድማ ካብዚ ዝርሕቁ ምስልታት ከተርኢ ክኢላ እያ።
ኣብ መወዳእታ ከነስተውዕሎ ዝግባእ ኣድማስ ብርሕቀት ጥራይ ዘይኮነ ብግዜ'ውን ከም ዝልካዕ እዩ። ስለዚ ሓደ ነገር ካባኻ ብኽንደይ ርሒቁ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ክንደይ እዋን ኢኻ ነዚ ነገር ትዕዘቦ ዘሎኻ'ውን ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ። ብዛዕባ ጠፈር ከተጽንዕ ምስ ትሓስብ ቀዳማይ ክትፈልጦ ዝግባእ እምበኣር ኣምር ርሕቀትን-ግዜን እዩ።
ስለዚ ኣብ መጻኢ ኣብ ሰማይ ዘር ዝበሉ ከዋኽብቲ ክትርኢ እንከሎኻ፡ ዛንታ ኣድማስ ትዕዘብ ከም ዘሎኻ ዘክር። ገሊኦም ከዋኽብቲ ትሪሊዮናት ዓመታት ዝገበሩን፡ ኣብዚ ህሞት ዘየለዉን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ዋላ ብህይወት እንተሃለዉ'ውን ህሉው ዘይኮነ ሕሉፍ ምስሎም ኢኻ ትዕዘብ ዘሎኻ።



Comments