ህልኽ ቶማስ ኤዲሰንን ኒኮላ ቴስላን?
- Thomas B

- Mar 19
- 2 min read
"ኣብ ቤት-ዕዮ ካብ ምዕያይ ወጻኢ ዝፈትዎ ዝኾነ ንጥፈት ኣይነበሮን። ካብ ቤት-ዕዮኡ ወጻኢ'ውን ዝኾነ ህይወት ኣይነበሮን። ብዛዕባ ጽሬት ሰብነቱ ፈጺሙ ፋዕራ ኣይነበሮን። ኣገባቡ ዘይኣድማዒ፡ ሃሰሰ ለባም እዩ። ክልሰ-ሓሳብ ከርቕቅን ክቕምርን ሒደት ሰዓታት እንተዘጥፍእ፡ 90 ሚእታዊት ካብቲ ንኸንቱ ዘፍሰሶ ረሃጽ መድሓነ። ግዳኸ መጽሓፍ ምንባብ ይኹን ቁጽሪ ምጽናዕ ኣለርጂያ ይገብረሉ ነበረ። እምነቱ ኣብ ደመ-ነብሱን ደጋጊምካ ምፍታንን ጥራይ ነበረ።"
እዚ እቲ ካብ ዝበለጹ ኣእምሮታት ዓለምና ዝቁጸር ኒኮላ ቴስላ ኣብ ዕረፍቲ ህቡብ መሃዚ ቶማስ ኤድሰን ዝበሎ እዩ። ንቶማስ ኤድሰን ክንድ'ዚ ክጽየኖ ዝገበሮ ግና እንታይ እዩ?

ኣብ ዳሕረዋይ 19 ክፍለ-ዘበን፡ ዓለም ናብ ሓድሽ ዘበነ ኤለትሪክ ትሰጋገረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልተ ናይቲ እዋን ካብ ዝበልሑ መሃዝቲ ኒኮላ ተስላን ቶማስ ኤድሰንን፡ ኵናት ኳሬንቲ ተባሂሉ ዝዝከር ግርጭት ተባርዐ።
እቲ ኣምፑል ምሂዙ ንዓለም ብርሃን ዝሃበ፡"ብልሒ 1% ድርኺት 99% ጻዕሪ እዩ፡" ብዝብል ጥቅሱ ዝዝከር ዘይሕለል ጻዕረኛ መሃዚ ቶማስ ኤድሰን፡ ንዓለም ቀጥታዊ ኰሬንቲ [Direct Current (DC)] ተጠቂሙ ኤለትሪክ ክዕድላ ምስ ተበገሰ፣ ኣብቲ እዋን ኣብ ትሕቲ ኤድሰን ተቆጺሩ ዝሰርሕ ዝነበረ በዓል ራኢ፡ ብልሂ፡ ሰርብያዊ መንእሰይ ኒኮላ ተስላ፡ ኣይፋልካን ቀጥታዊ ኳሬንቲ ብቀጻሊ ነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዝ ኣይክእልን እዩ፡ ተለዋዋጢ ኳሬንቲ [Alternating Current (AC)] እዩ ዝሓይሽ ክብል በድሆ።
ብድሕር'ዚ ተስላ ኣብ ርእስ'ዚ ብሰንኪ ክፍሊትን፡ ኣፍልጦ ንምህዞታቱን ምስ ኤድሰን ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ፡ ትካል ኤድሰን ጠንጢኑ ምስ ጆርጅ ዌስቲንሃውዝ ዝተባህለ በዓል ጸጋ ተሻሪኹ፡ ተቃያያሪ ኳቴንቲ ኣብ ግብሪ ከውዕል ተበገሰ። በዚ ተግባር ዝተቆጥዐ ኤድሰን ድማ መልሓሱ ከይዓጽፍ፡ ነቲ ኣምፑላቱ ኣብ ከተማታት ሕ.መ.ኣ ከብርሃሉ ንህዝቢ ኣመሪካ ዝተማባጽዓሉ ቀጥታዊ ኳሬንቲ ክከላኸል ተበገሰ። እቲ ምትህልላኽ ድማ ሰማይ ዓረገ።
ኤድሰን ቀጥታዊ ኳሬንቲ ወይ ሞት ስለ ዝበለ፡ ሓደጋታት ተለዋዋጢ ኳሬንቲ ንኸእምን፡ ዝተፈላለዩ እንስሳታት፡ ሓራምዝ'ውን ከይተረፈ በዚ ዓይነት ኳሬንቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክቀዝፍ ተራእየ። "ኳሬንቲ ሞት" ክብል'ውን ሰመዮ። እዚ ከይኣክል ብሕቡእ ልኡዃቱ ሰዲዱ፡ ቴስላ ዘካይዶም ምርኢታት ከም ዝባርዑ ክሳብ ምግባር'ውን በጽሐ።
ግዳኸ በዚ ኢዱ ዘይሃበ ተስላ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርኢት፡ ንሙሉእ ቅርዓት ብኤለትሪክ ብርሃን ብምሃብ፡ ንዓለም እዚ ናቱ ዓይነት ኳሬንቲ እቲ ዝበለጸ ሙዃኑ ኣእመነ። ብድሕርዚ ንመላእ ከተማ ኒውዮርክ ኤለትሪክ ክዕድል ምስ ከንቲባ እታ ኸተማ ድሕሪ ዝገበሮ ስምምዕ፡ እዚ ኵናት ኣብ መወዳእታኡ ብዓወት ተስላ ተዛዘመ።

ኣብ መንጎ'ዞም ክልተ ካብ ዝዓበዩ ጸለውቲ ዓለምና ዘጋጠመ ግርጭት እምበኣር፡ ንዝሓለፈ ክፍለ-ዘበን ማእከል ዓበይቲ ክትዓት እዩ ኮይኑ። ኤድሰን ክሳብ ዝሰልጠካ ከይተሓለልካ ኣብ ምፍታንን ምድግጋምን ክኣምን እንከሎ፡ ተስላ ድማ ብኣንጻሩ ቅድሚ ምብጋስካ ኣብ ኣእምሮኻ ብምስኣልን፡ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢልካ ክልሰ-ሓሳብ ምርቃቅን፡ ቁጽሪ ተጠቂምካ ምቅማርን ይኣምን ነበረ። እቲ መልሲ ኣብ ኣጠማምታ ሰባት ክምርኮስ ቅቡል እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘየካትዕ እዞም ክልተ መሓዝቲ ንዓለም ዝገበርዎ ኣበርክቶ እዩ። ምናልባት'ውን ነዛ ሎሚ ንፈልጣ ዓለም ከም ዘላቶ ክትመስል መሰረት ዘንጸፉ ዉልቀ-ሰባት እዮም ምባል ካብ ሓቂ ብዙሕ ክርሕቅ ዝኽእል ርእይቶ ኣይኮነን።



Comments