እቶም 300 ስፓርታውያን
. . .ሰለስተ ሚእቲ እንተወሓደ ሓደ ሓድጊ ዝኽውን ዉላድ ዝገደፉ ዝበርትዑ ወተሃደራት ስፓርታ፡ ምናልባት ኣብ ታሪኽ ዉትህድርና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁጽሪ ንዝተዓጻጸፎም ሰራዊት ክምክቱ ጉዕዞ 400 ኪሎመተራት ተተሓሓዙ። ምስ’ቶም ጎረባብቲ ግዝኣታት ግሪኽ ዝለኣኽኦም ወተሃደራት ደሚርካ ብዝሖም ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ክሳብ ሸውዓተ ሽሕ ኣቢሉ ናብ ዝገማገም ዓቅሚ ከም ዘበረኹ ይእመን እኳ እንተኾነ፡ ምስቲ ብተመራመርቲ ታሪኽ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ቁጽሪ ኸም ዝነበሮ ዝንገር ሰራዊት ፋርስ ክነጻጸር እንከሎ ግና ቊንጣሮ ነበረ።
ከዐውቶም ዝኽእል ብልጫ ደኣ እንታይ ነበረ፧ ጠርሞጲላ ጥቃ ባሕሪ ኣጃዮን ብመንጎ ጎቦታት ሰንጢቁ ዝሓልፍ መጻብቦ ብምንባሩ፡ እንተወሓደ ሃጸይ ጻርሶስ ብልጫ ብዝሒ ሰራዊቱ ተጠቂሙ ንግሪኻውያን ኣካቢቡ ክኽርድን ኣይክኽእልን እዩ። ኣብ ርእሴኡ ግሪኻውያን ዘይከም ወረርቶም ብዕላማ እዮም ዝዋግኡ ነይሮም፤ ህዝቦም ምእንቲ ኽድሕን ክሳብ ትንፋሶም ትሓልፍ ክዋግኡ እዮም ቆሪጾም።
“ብዛዕባ ጭዉነት ዝኾነ ኣፍልጦ እንተልዩካ፡” በሎ ንጉስ ሊዮኒዳስ ንሃጸይ ጻርሶስ፡ “መሬት ካልኦት ካብ ምውራር ምተቆጠብካ፣ ኣነ ግዳ ስማዊ መራሒ ጥራይ ካብ ሙዃን ምእንቲ ግሪኽ ክመውት ይመርጽ።”
ልክዕ እዩ ወረርቲ ብዛዕባ ጭዉነት ዝኾነ ፋዕራ የብሎምን። እቲ ቀዳማይ ጻርሶስ ዝፈተኖ ንስፓርታውያን ብላዕ ሂብካ ክኸድዑ ምስዳዕ ነበረ። ኣብ ገለ መንግስተ-ኸተማታት ሰሪሕሉ እዩ። ግደ ሓቂ ጻርሶስ ንባዕሉ’ውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ነብሱ እንተዝረኽባ፡ ብላዕ ክቅበል ዓይኑ ኣይምሓሰየን።
ንጉስ ሊዮኒዳስ ግና ብፍጹም። ነቲ ዝቀረበሉ ጠለብ፡ “ግሪኻውያን ካብ ኣቦታቶም ዝወረስዎ፡ መሬት ብጅግንነት ደኣ እምበር ብፍርሒ ከም ዘይርከብ እዩ፡” ክብል መለሰሉ።
ጭዉነት መረጸ። ትብዓት መረጸ።
ግሪኻውያን ኣብ ጅግንነት ብዝነበሮም ርድኢት እዮም ነዚ ስርሒት ክፍትንዎ’ውን ዝተበገሱ። “ኽንድዚ ንዝብዝሑ ሰራዊት ከመይ ኣቢልካ ብቍንጣሮ ኽትምክቶ ትሓስብ፧” ክብል ሓደ ካብ ሰብ ኪዳኑ ንሊዮኒዳስ ሓተቶ። “ኣብ ቍጽርታት ጥራይ እንተድሂብና፡” መለሰ ሊዮኒዳስ፡ “ምልእቲ ግሪኽ እንተተሰለፈት’ውን ክትምክት ኣይኮነትን። ንጅግንነት እንተተበጊስና ግና እዚ ቍጽሪ ኣኺሉ እዩ ዝተርፍ።”
ኮነ እምበኣር፡ ሃጸይ ጻርሶስ ንስፓርታውያን ቆርበቶም ከይጸየቁ እንከለዉ ኣጽዋሮም ከረክቡ ምስ ሓተቶም፡ ኣብ ከብዶም እምኒ መሊሶም “ምጻእ ዉሰዶ፡” ዝብል መልሲ ለኣኹሉ። ፋርሳውያን ኣርባዕተ መዓልታት ስፓርታውያን ዕጥቆም እንተፈትሑ ድሕሪ ምጽባዮም ድማ፡ ነሓሰ 18 መጥቃዕቲ ጀመሩ።
ሽሾ ድሕሪ ሽሾ ሰራዊት ፋርስ ምስ’ቶም ጻትንጻት ተሰጋሲጎም፡ ዋልታን ጭማራን ኣምሪሖም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ስፓርታውያን ተራጸሙ። በቶም ንሃገሮም ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ልክዕ ከምቲ ሓቀኛታት ጀጋኑ ወትሩ ዝገብርዎ ንስለ’ቲ ጥቃኦም ዝነበረ ብጻዮም ዝዋደቁ ዝነበሩ ስፓርታውያን ድማ መላሲ ኣውያት ዘይብሎም ኣብቲ ኣኻውሕ ከከም ዝመጽእዎ ረገፉ።
ቀዳማይ መዓልቲ ኣብ ምዝዛሙ፡ ሃጸይ ጻርሶስ ነቶም ቀንዲ ዝኣምኖም፡ ‘እቶም ዘይመወቲ’ ተባሂሎም ዝጽዉዑ ሰራዊቱ ለኣኸ። ሓደ ስፓርታዊ ንሊዮኒዳስ “ዘይመወቲ” ይቀርቡ ከም ዘለዉ ምስ ሓበሮ፡ “እወ ንሕና’ውን ኣብ ርእሴኦም ኢና ዘሎና፡” ክብል ዝመጽአ ይምጻእ ድምብርጽ ከም ዘይብሎ ኣረጋገጸሉ። ንጻርሶስ ብዘባህረረ መልክዕ፡ እዞም ሞት ከም ዘይትምልከቶም ዝእመነሎም ዝበርትዑ ሰራዊቱ’ውን ሰለስተ ሳዕ ከም ዝሓለፉ ሽሾ ድሕሪ ሽሾ ረገፉ።

ቀዳመይቲ መዓልቲ ሓሊፋ ካልአይቲ ኽትስዕብ እንኮላ፡ ሊዮኒዳስ ገና በቲ ዘመዝገቦ ዓወት ኣይተዓሻሸወን። ሓገዝ ይስዕብዶ ኣይስዕብን ብዘየገድስ፡ እዚ ዉግእ ብመስዋእቲ ጥራይ ከም ዝዛዘም ኣረጋጊጹ ዝኣተዎ እዩ። ሰራዊት ፋርስ ደው ኣቢሉ፡ ግዜ ንምኽሳብ ጥራይ እዩ ዝዋጋእ ነይሩ። ኣብ ርእስ’ዚ ነቶም ኢድና ኽንህብዶ ዋላ ኽንምክት ኢሎም መንጎ መንጎ ዝነበሩ ግሪኻውያን፡ ብመንገድ’ዚ ግብረ-መስዋእቲ ከበራብሮም’ውን ተስፋ ነበሮ። እምበኣር ዉግእ ቀጸለ። ካልኣይቲ መዓልቲ’ውን ካብ ቀዳመይቲ ትፍለ ኣይነበረትን።
ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ምዝዛማ፡ ፋርሳውያን ብገለ ዕሱባት ሓደ ሓበሬታ ረኸቡ። ብመንጎ’ቶም ንጠርሞጲላ ዘካበቡ ኣኽራናት ዝሓልፍ ስቱር መንገዲ ተጠቂሞም፡ ንስፓርታውያን ብድሕሬኦም ሓደጋ ክወድቅዎም ከም ዝኽእሉ ፈለጡ። ምእንትዚ ንስፓርታውያን ብድሕሬኦም ኣብ ዝተደኮኑ ዝበረኹ ኣኽራናት ተሰቂሎም ቀስተኛታቶም ኣዋደዱ።
ቀስተኛታት ጻርሶስ ብርሃን ጸሓይ ክጉልብብ ዝኽእል ብዝሒ ቀስትታት ኣለዎም ዝብል መጠንቀቅታ ዝበጽሖ ሊዮኒዳስ፡ “ኣብ ድነ ጸላም’ውን ምዉጋእ ኽንቅጽል ኢና፡” ዝብል መልሲ ሃበ። ኣብታ ለይቲ ንሰራዊቱ፡ ምናልባት እዛ ለይቲ ናብ ህይወት ድሕሪ ሞት ቅድሚ ምጋሾም ናይ መወዳእታኦም ክትከውን ስለ ትኽእል ጽቡቅ ገይሮም ክድረሩ መኸረ። ንሰለስተ ካብ ዉጉኣቱ ድማ መለስቲ ኣውያት ክኾኑ ናብ ስፓርታ ኽምለሱ ኣዘዘ። እቲ ቀዳማይ፡ “ኣነ ክዋጋእ እምበር መልእኽቲ ኸበጻጽሕ ኣይተኸተብኩን፡” በለ። እቲ ኻልኣይ፡ “ስብእነተይ ዘውሕስ ኣብዚ እንተጸኒሐ ጥራይ እየ፡” በለ። እቲ ሳልሳይ ድማ፡ “ቅድሚት ይስዋእ ደኣ’ምበር ብጾተይ ኣይገድፍን፡” በለ።
ብድሕር’ዚ ዝበሃል ስለ ዘይነበረ፡ ዘረባ ከየምሎቁ ኵሎም ስፓርታውያን ካብ ዝተቀመጥዎ ተንስኡ። መን ካብኣቶም እዩ እሞ መውጋእቲ ዘይተሰከመ፧ መን እዩ’ሞ ዘይደኸመ፧ መን እዩ ብደቁ ዘይሓሰበ፧ መን እዩ በታ ድሕሬኡ ዝገደፋ ሃገር ዘይሓሰበ፧
ሰዓት ትሽዓተ ምስ ኮነ ጸሓይ በጣዕጣዕ ኢላ፡ ሙቀት’ውን በረኸ። ብረሃጽ ተሓጽቡ። ዝርካቦም ዝተረፈ ጸዓቶም ኣኻኺቦም ድማ ነቲ ናይ መወዳእታ መኸተ ተዳለዉ። ደጊም ስፓርታ ወይ ስድራቤታቶም ኣይክርእዩን ኣዮም።
ሊዮኒዳስ ንቅድሚት ክምርሹ ትእዛዝ ኣሕለፈ። ካብ’ቶም ኸዊሎሞም ዝነበሩ ኣኻውሕ ወጺኦም ንጸላኢ ኣብ ቀላጥ ጎልጎል ክምክቱ ናብቲ ዘይተርፍ ዛዛሚ መስዋእቲ ገስገሱ። ፋርሳውያን ብመራሕቶም ብጩግራፍ ብድሕሪት ናተገርፉ ናብ’ቶም ስፓርታውያን ጠነኑ። ሓደ ድሕሪ ሓደ እናረገፉ ሽሾ ድሕሪ ሽሶ ሰዓበ።
እቶም ጀጋኑ ልዕሊ ነብሶም ደይቦም፡ ኣብቲ ዓለመ ጅግንነት ተሰቂሎም፡ ቃል እኳ ኸየምሎቁ ብጽሞና ይዋጋኡ ነበሩ። ጅግንነት እቲ ሓባራዊ ጭዉነት ኮነ። እቲ ህሞት ሽዑ ምንባሩ ኵላቶም ፈሊጦም ነበሩ።
ዕድመ ሽምግልና ኣይክርእዩን እዮም። ኵላቶም ሓደ ድሕሪ ሓደ ኽረግፉ እዮም። ደሓር ዘይኮነ፡ ሕጂ።
ንጉስ ሊዮኒዳስ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ናይታ ዛዛሚት መዓልቲ፡ ነቲ ነዊሕ ዝኣመነሉ፡ ንጉስ ስፓርታ ንግሪኽ ኻብ ወራሪ ክከላኸል ኣብ ዓውደ ኵናት እዩ ዝመውት ዝብል ትንቢት መስኪሩ ወደቀ። ወተሃደራቱ ህይወት ኣልቦ ሰብነቱ ኸድሕኑ ድሕሪ ዝገበርዎ ሰለስተ ፈተነታት፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ራብዓይ ፈተነ ተዓወቱ። ንእለቱ ድማ ናብቲ ዉግእ ተመልሱ። ኣብ መወዳእታ ዋልታታቶም ተሰባቢሮም ኣላሽ በሉ። ዝመጽአ ረዳኢ ሓይሊ ኣይነበረን። መፈጸምታ ከም ዝኣኸለ ፈለጡ። ናብ ከውሊ መጻብቦ ጠርሞጲላ ድማ ኣዝለቁ።
ኣብዚ ብጉራደ ጥራይ ተዋግኡ። ጉራደታቶም’ውን ተሰባቢሮም ደጊም ይኣኽለና በሉ። ኣብ መወዳእታ ዝተረፍዎም ኣጽዋር ኣእዳዎምን ኣስናኖምን ጥራይ ነበሩ።
ዓቅሞም ጸንቀቁ። ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ከውሊ ሰለስተ ድማ ኣብ ቀላጥ ጎልጎል እዮም መኪቶም። ሃገሮም ንኽትዳሎ ሓደ ሰሙን ሃቡዋ።
ሃጸይ ጻርሶስ ብዙሓት ግዲ ዘይገብረሎም ሰራዊት ክኸስር እንከሎ፣ ብቀንዱ ግዳ ግዜ ኸሰረ። ኣብ ርእሴኡ ሓሞቱ’ውን ተዘርገ። “ኣብ ግሪኽከ ኽንደይ ስፓርታውያን ተሪፎም ኣለዉ፧” ክብል ንሓደ ኻብ ኣማኸርቱ ሓተተ። “ኣሽሓት ኣለዉ፡” መለሰ ኣማኻሪ። “ክንድዚኦም እኳ እንተዘይኮኑ፡ ግዳ ብቁዓት ተዋጋእቲ እዮም።”
ግሪኽ’ውን ዝተኸፍለላ ዋጋ ፈለጠት። ነዚ ስፓርታውያን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ኣብ ማይ ከእቱ ዝደሊ የሎን። ተራኡ ኻብ ምዉጻእ ዝኸንብ ኣይክህሉን እዩ . . .
ብኢንጅ. ቶማስ በርሀ ካብ ዝተተርጎመ "ጻውዒት ትብዓት (Courage is calling by Ryan Holiday)" ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደ ጽሑፍ



Comments