ዉዲት ፖንዚ እንታይ እዩ?
- Thomas B

- Mar 30
- 1 min read
ገንዘብካ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣራቢሕና ክንመልሰልካ ዝብሉ ኣውፈርቲ ገጢሞምኹምዶ ይፈልጡ፧ ምናልባት ንምእማኑ ክሳብ ዘሸግር ኣመና ዘህርፍ ተኾይኑ፡ ዉዲት ፖንዚ (Ponzi scheme) ክኸውን ዝለዓለ ዕድል ኣሎ።
ዉዲት ፖንዚ፡ ብደጊኡ ቅኑዕ ወፍሪ ዝመስል እኳ ተኾነ፡ ኣብ ክውንነት ግና ዝኾነ ተጨባቲ ወፍሪ የለን። እቲ ወዳቢ ወፍሪ፡ ንነባራት ተመዝገብቲ፡ ካብ ሓደሽቲ ተመዝገብቲ ናኸፈለ እዩ ገንዘብ ዘዘዋውር። እቶም ኣውፈርቲ ድማ ኣብ ፈለማ ከም መብጽዕኡ፡ መኽሰብ ስለ ዝመልሰሎም፡ ኣብ ኣኽሳቢ ዋኒን ዘውፈሩ ይመስሎም። ምእንትኡ ድማ መመሊሶም ተወሳኺ ገንዘብ የውፍሩ።

ዉዲት ፖንዚ ዝፈሽል፡ ብቍጠባዊ ቅልዉላው ይኹን ካልኦት ምኽንያታት ሓደሽቲ ተመዝገብቲ ምስ ዝውሕዱ እዩ። ኣብዚ ኵነት እቲ ወዳቢ ሰብ ይኹን ትካል ዝሓዘ ሒዙ ህጣሙ ከጥፍእ፡ መንነቱ ምስ ዝልለ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ እዩ ዝርአ።
ዉዲት ፖንዚ፡ ካብቲ ኣብ 1920፡ "ኣብ ዉሽጢ ተስዓ መዓልታት ገንዘብኩም ብዕጽፊ ክመልሰልኩም፡" ኢሉ ገንዘብ ኣሽሓት ዝበልዐ ኢጣልያዊ ስደተኛ ቻርለስ ፖንዚ ዝመጽአ ስም እዩ። ንዕኡ ስዒቦም ድማ፡ ቅኑዓት ሰብ-ዋኒን ብዝመስሉ ዉልቀ-ሰባትን ትካላትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ዉዲታት ፖንዚ ተራእዮም። ከም ሓቂ'ውን እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ሰባት ዘደናግር ዓይነት ምትላል እንተልዩ፡ ዉዲት ፖንዚ እዩ።
ዉዲታት ፖንዚ ንሰባት ብቀሊሉ ዘታልሉሉ ምኽንያት፡ ንቀዳሞት ኣውፈርቲ ዝተመባጽዕዎ ክፍሊት ስለ ዝመልሱ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሰባት ቅልጡፍ ሃብቲ ንምኽዕባት ዘለዎም ከፍስሱ ይጓየዩ።

ግዳይ ዉዲታት ፖንዚ ንዘይምዃን ክንሓቶም ዝግባእ ቀለልቲ ሕቶታት ኣለዉ፣ እዚ መኽሰብ ክውንነታዊ ይመስልዶ፧ (ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ዕጽፊ ገንዘብካ ዝመልስ ወፍሪ ክህሉ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።) እዚ ትካል ብኸመይ መኽሰብ የምጽእ ከም ዘሎ ይፈልጥዶ፧ ከምዚ ዓይነት መኽሰብ ዘለዎ ዋኒን ንምንታይ ዕላዊ ወይ ህቡብ ዘይኮነ፧ . . .
ብሓፈሻ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ሃብቲ ብሓደ ንግሆ ገንዘብካ ኣውፊርካ ክመጽእ ከም ዘይክእል እዩ። ከምኡ ተዝኸውን፡ ኵሉ ምሃብተመ። ብወፍሪ ሃብቲ ንምኽዕባት፡ ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣካይዳ ገንዘብ፡ ዝርዝራዊ ኣፍልጦ ተውፍረሎም ዋኒናትን፡ እዞም ዋኒናት ዝርከቡሎም ኢንዱስትሪታትን፡ ስምዒታዊ ዘይምዃን፡ ብቀንዱ ድማ ዓቅሊ እዩ ዝሓትት።



Comments