top of page

ነብሰ-ምትሓት? ነብሰ-ምልዓል? ፍልልዮም?

  • Writer: Thomas B
    Thomas B
  • Mar 12
  • 1 min read

ፈለማ ስምዒት ነብሰ-ምትሓት (Inferiority) ኵሉ ሰብ ኣብ ውሱን እዋን ግድን ዝምኮሮ ዓይነት ስምዒት እዩ። ኣብ ሓደ ህሞት፡ ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ትሑት ዓቅሚ ዘሎካ ኾይኑ ክስምዓካ ንቡር እዩ። ኣብነት ክኾነና፡ ኣብ ሓደ ዓውዲ ስፖርት ተወዳዲርካ ብርትዓዊ ኣገባብ ተሳዒርካ ንበል። ስለዚ ካብ መወዳድርትኻ ዝትሕት ዓቅሚ ከም ዘሎካ ዘየካትዕ እዩ።


እቲ ወሳኒ ግና፡ ኣብዚ ትሑት ዓቅምኻ ዘለለኻሉ ኣጋጣሚ እንታይ ትገብር እዩ። እቲ ቅኑዕ ኣገባብ፡ ጉድለትካ ምስ ፈለጥካ ኣበርቲዕካ ክትጽዕር፡ ልምምድ ከተጽዕቅ፡ ወይ ተወሰኽቲ ስልትታት ከተጽንዕ እኳ እንተኾነ፡ ብጸገም ነብሰ-ምትሓት ዝተጠቃዕካ ምስ ትኸውን ግና፡ ትወስዶ ግብረ-መልሲ ኣሉታዊ ይኸውን።


ከም ኣብነት፡ "ኣነኮ ዝተሰዓርኩ እገለ ካብ ናተይ ዝበልጽ ናይ ስልጠና ዕድል ስለ ዝረኸበ፡ ዝመጽኣሉ ድሕረ-ባይታ ስለ ዝሓገዞ፡ ወዘተ፡" ኢልካ ተመኽኒ። "ኣነ ካብዚ ድሕረ-ባይታ ስለ ዝመጻእኩ፡ ንመጻኢ'ውን ፈጺመ ኣብ ናቱ ደረጃ ክበጽሕ ኣይክእልን እየ፡" ኢልካ'ውን መደምደምታ ተቀምጥ።


ካብዚ ዝኸፍእ ኵነተ-ኣተሓሳስባ'ውን ኣሎ . . .

ንሱ ድማ ጸገም ነብሰ-ምልዓል (Superiority Complex) እዩ ዝበሃል። ኣብዚ ልዒልና ዝረኣናዮ ተኽእሎ ከም ኣብነት፡ ጸገም ነብሰ-ምልዓል ዘለዎ ሰብ፡ "ምስ እገለ እኳ እየ ተወዳዲረ፡" ኢሉ ምስቲ ዝሰዓሮ በዓል ልዑል ዝና ተወዳዳሪ ብምጽዋቱ ክንየት እዩ ዝፍትን። በዚ ሕማም ዝተጠቅዐ ሰብ፡ ንዝወረሶ ስምዒት ነብሰ-ምትሓት ምስ ሰብ-ዝና ወይ ሰበ-ስልጣን ነብሱ ብምጽጋዕ እዩ ክፍውሶ ዝፍትን። ሕላገት ሓደ ዓቢ ትካል ዘለዎም ክዳውንቲ ብምልባሶም ወይ'ውን ተጠቀምቲ ሓደ በዓል ዝና ትካል ዘፍረዮም ኣቅሑ ብምዃኖም፡ ወይ ምስ ዕዉታት ሰባት ጥቡቅ ርክብ ስለ ዘለዎም ዝንየቱ ኣውራ ግዳያት ናይዚ ጸገም እዮም።


እቲ ቍምነገር፡ ነብሰ-ምትሓት ክስምዓካ ንቡር እዩ። ግዳኸ ንዘለለኻዮ ትሑት ዓቅሚ፡ መመኽነይታ ተጠቂምካ ካብ ምምሕያሹ ኽትበኵር፡ ወይ ድማ ዘይበጻሕካዮ ከም ዝበጻሕካ መሲልካ ክትዋሳእ ኣይኮነን ዝግባእ።

ብኣንጻሩ፡ ኵነተ-ኣእምሮኻ ወትሩ ኣብ ምምሕያሽን ምዕባይን ከተኵር ኣለዎ። ምሉእ ዝበሃል ሰብ የሎን። እቲ ዘገድስ ወትሩ ኽትመሓየሽ ከየዕረፍካ ትጽዕር ምህላውካ እዩ።


 
 
 

Comments


bottom of page