top of page
All Posts


ደረጃታት ድሌት ማስሎው – ሃረም ህይወት
ኣብ 1943፡ ኣመሪካዊ ተመራማሪ ስነ-ልቦና ኣብራሃም ማስሎው ኣብቲ "ክልሰ-ሓሳብ ድርኺት ወዲ-ሰብ (A Theory of Human Motivation)" ዝሰመዮ መጽናዕታዊ ወረቀት፡ ድርኺታት ደቂ-ሰብ ብመንጽር ድሌታቶም ቅርጺ ሃረም ተጠቂሙ ሓደ ትዕዝብቲ ኣካፈለ። ኣብዚ ትዕዝብቲ፡ ኣብ መሰረት ናይቲ ሃረም ዘቀመጦም እቶም መሰረታውያን ድሌታት ሰባት ዝኾኑ መግቢ፡ ማይን መዕቀልን እዮም። ብመሰረት ማስሎው እዚኣቶም እቶም ሰባት ህይወቶም ከቀጽሉ ዝጠልብዎም መሰረታውያን ድሌታት እዮም። ምእንትኡ ድማ እዚ ኵሎም ደቂ-ሰብ ዝካፈልዎ ደረጃ ድሌታት እዩ። ሰባት ነዞም መሰረታውያን ጠለባት ምስ ኣማልኡ ዝስዕብ ድሌቶም ውሕስነት እዩ። ኣካላዊ፡ ስምዒታውን ቁጠባውን ውሕስነት ይደልዩ። ነዚ ዘማልእ ውሑስ ኣከባቢ ምስ ዝረኽቡ ድማ ናብ'ቶም ዝቅጽሉ ጠለባት የተኵሩ። እቲ ሳል

Thomas B
Mar 101 min read


fallacy ወይ ግጉይ-መጎት?
fallacy ወይ ግጉይ-መጎት ንክርክር ዘይብቁዕ ወይ ኣጋጋዪ ዝገብር ስሕተት ምኽንያታውነት እዩ። ሰባት ግጉይ-መጎት እናፈለጡ (ንኽሽሕጡ) ወይ ድማ ከይፈለጡ (ብሰሪ ምድንጋር ወይ ሕጽረት ርትዓዊ ኣጠማምታ) ክጥቀሙሉ ይኽእሉ። ግጉይ-መጎት ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ምድባት ይኽፈል፣ 1. ወግዓዊ ግጉይ-መጎት እዚ ዓይነት ግጉይ-መጎት ኣብ ኣቃውማ ክርክር ርትዒ ወይ ውድዓውነት ክጎድል እንከሎ እዩ ዘጋጥም። ኣብነት፣ 1ይ ሓሳብ፣ ኵሎም ደማሙ እንስሳታት እዮም። 2ይ ሓሳብ፣ ኵሎም ኣኻልብ እንስሳታት እዮም። መደምደምታ፣ ኵሎም ኣኻልብ ደማሙ እዮም። ካልኦት ኣብነታት ወግዓዊ ግጉይ-መጎት ከም'ዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፣ "እንተደኣ ዘኒቡ መሬት ክትርክስ እዩ። ስለዚ መሬት ተርኪሱ ካብ ሃለወ፡ ኣቀዲሙ ዘኒቡ እዩ።" "እንተደኣ ኣጽኒዐ መርመራ ክሓልፍ እየ። ኣየጽናዕኩን፣ ስለዚ

Thomas B
Mar 92 min read


ምደለኹ!
ምደለኹ! እግረይ ኣመሳቒለ ኣብ ጣውላ ሰቒለ ተሌፎን ኣብ እዝነይ ቐርቒረ ሕሉፍ እናዘከርኩ ምስ ፈተውተይ ከዕልል ብሰሓቕ ክርትም ክብል ጽምው እንክብል ሪሞት ኣልዒለ ቻነላት ክቐያይር ምደለኹ ግን... መን እሞ ይዕየየለይ እዚ ናይ ሎሚ ዕዮይ መን እሞ ይኺደለይ ናይ ጽባሕ ጉዕዞይ ምደለኹ! ኣብ ሕልመይ ክነብር ትርፊ ዘይርከቦ ሕልሚ መዋእል መን እሞ ይኽፈሎ እቲ ቢል መን እሞ ይሰከሞ እቲ ጾር ምደለኹ! ኣብቲ ጀምዓ ክሓብር ባራት እናቐያየርና ብባህታ ክንሰክር መን እሞ ኣንጊሁ ክወፍር ንዓይ ወኪሉ እንጌራይ ክምእርር? ጥዑም ደኣ ጥዑም'ዩ እምበር ምደለኹ ኩሉ ጠጥዕሙ ከስተማቕር ግን…. ከይተነኸስካ ሕንዚ ኣይርከብን መዓር ጥዑም ኣይምቕርን ከይጠዓምካ መሪር ንኹሉ ኣኣብ ግዚኡ ጥራይ ንንበር ጽባሕና ክትጽብቕ ንሎሚ ንትረር

Mussie Girmatsion
Mar 91 min read


ኣብ ምንባብ ዘሎ ሓርነት!
ዝበዝሑ ሰባት ንዳሕረዋይ ገጽ ታሪኽ-ህይወት ማልኮም ኤክስ እዮም ዝፈልጡ። ናብቲ ደረጃ ክበጽሕ ዝሰገሮ ጕዕዞ ዝፈልጡ ሒደት እዮም። ማልኮም ኤክስ ገበነኛ እዩ ነይሩ። ዕጸ-ፋርስ ይሸይጥ። ኣመንዝራታት ይድልል። ድሒሩ ድማ ናብ ብጠበንጃ ዝተሰነየ ዝምታ ሰጊሩ። ክሳብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉጅለ ገበነኛታት ከይተረፈ የመሓድር ነበረ። ኮታ ሞት ይኹን ሰብ ምቅታል ዘፍርሖ ኣራዊት ነበረ። ካብ ዕለታት፡ ዝሰረቃ ክብርቲ ሰዓት እናሸጠ እንከሎ ሃንደበት ብፖላይስ ተኸበ። ኣብቲ ህሞት ጠበንጃ ዓጢቁ እኳ እንተነበረ፡ ተዅሲ ክኸፍት ከይፈተነ ግና፡ ብሰላም ኢዱ ክህብ መረጸ። ቤቱ ምስ ተፈተሸ፡ ክቡራት ስልማታት፡ ናይ ጸምሪ ልብስታት፡ብዙሓት ጠበናጁ፡ ከምኡ’ውን ኵሎም ናይ ስርቂ መሳርሒታቱ ተረኽቡ። ኣብ ለካቲት 1946 ገና ዕስራን ሓደን ዓመት ዘይመልአ ማልኮም ኤክስ ዓሰርተ

Thomas B
Mar 91 min read


ንነብስኻ ይቕረ በለላ!
ንነብስኻ ይቕረ በለላ! ኣብ መስትያት ቜምካ ናብ ነብስኻ ጠምት እሞ — ዋላ’ውን ቃላትካ እናተሸራረፉ "ይቕረ እብለልኪ ኣለኹ።" በላ "ስለ ዘይፈለጥኪ፡ ይቅረ ይኹንኪ ስለ ዝኣመንኪ፡ ይቅረ ይኹንኪ ስለ ዝፈተንኪ፡ ይቅረ ይኹንኪ ነቲ ኣብቲ እዋን እንኮ ዝፈለጥክዮ መገዲ ሓሪኺ፡ ብህይወት ስለ ዝሰርርኪ፡ ይቕረ ይብለልኪ ኣለኹ!

Mussie Girmatsion
Mar 81 min read


መንገዲ ፍቅሪ
ብኣንቶኒ ደሜሎ ዝተጻሕፈት “The Way to Love”፣ “መንገዲ ፍቅሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ተተርጒማ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ ኣላ። “መንገዲ ፍቅሪ” 31 ምዕራፋት ኣለዉዋ። ነፍሲ-ወከፍ ምዕራፍ ብጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጅምር። ኣብዚ ጥቅሲ ዘተኮረ ኣስተንትኖኣዊ ትሕዝቶ ድማ ይስዕብ። ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ ምስ ዉሽጥኻ ኣስተንቲንካ፡ መንፈስካ ኣንጺህካ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ፍቅሪ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ረጊጽካ ክትገጥም ምሕጋዝካ እዩ። ቍንጫል ካብ ትሕዝቶታት መንገዲ ፍቅሪ . . . ዕለት 8፣ ዕዉራን ይርእዩ እዮም ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ። —ወ. ዮሐንስ 9:39 ፍቕሪ ዕዉር እዩ ይበሃል እዩ። ግዳኸ ሓቂ ድዩ፧ ግደ ሓቂ ኣብዛ ዓለም ከም ፍቕሪ ዝነቊሑ ኣዒንቲ ዘለዎ ነገር የሎ

Thomas B
Feb 281 min read


ዛንታ ቅብኣ The Last Supper ብሊዮናርዶ ዳቪንቺ
ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ነዛ ካብ ዝሃበባ ቅብኣታቱ ዝኾነት “The last supper” ክቀብእ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ሓደ ዓቢ ብድሆ ክሰግር ነበሮ። ኣብ ምስሊ የሱስ ኣምላኽ፡ ኣብ ምስሊ ይሁዳ ድማ ሸይጣን ብልክዕ ምንጽብራቅ። ነዚ መንፈስ ዘንጸባርቁ ዉልቀ ሰባት ክሳብ ዝረክብ ድማ ምቅባእ ኣይጀመረን። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት-ክርስትያን እናተዘመረ፡ ኣብ ገጽ ሓደ ካብ’ቶም ዘመርቲ ልክዕ ምስቲ ዝቀረጾ ምስሊ የሱስ ዝመሳሰል መልክዕ ዝውንን ሰብ ረኣየ። ናብ ስቱድዮኡ ዓዲሙ ድማ ዝርዝራዊ ንድፊ ገጹ ወሰደ። ብድሕር’ዚ ሰለስተ ዓመታት ሓሊፎም፡ ነታ ቅብኣ ዳርጋ እንተዛዘማ’ኳ ምስ ይሁዳ ዝመሳሰል ሰብ ግና ክረክብ ኣይከኣለን። እዚ እናኾነ ነቲ ስራሕ ብሓላፍነት ዝከታተል ዝነበረ ካህን ብምድንጓዩ ልዑል ጸቅጢ ይገብረሉ ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ምንዳይ ግና እቲ ዝደልዮ መልክ

Thomas B
Feb 251 min read
bottom of page